ዓርሞሽሽ መርከብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ኣብ ገማግም ጅቡቲ ልምምድ ኣካይዳ

Radio Erena: 29 August 2019

ሓንቲ ካብ ዓርሞሽሽ መራኽብ ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ ዝኾነት፣ USS Boxer ARG ኣብ ገማግም ባሕሪ ጅቡቲ ልምምድ ከምዘካየደት ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ልምምድ፣ ካብታ መርከብ ብዝተበገሳ፣ ኣብ ባሕርን መሬትን ዝንቀሳቐሳ ጀላቡ(ኣምፊብያን)፣ ኣብ ናይ መጥቃዕቲ ስርሒታት ዘተኮረ’ዩ ኔሩ።

ኣብቲ ወትሃደራዊ ልምምድ፣ መበል 11 ፍሉይ ኣሃዱ ባሕርያ ተሳቲፉ።

ኣመሪካ፣ ናይ ኣጋር፣ ሓይሊ ባሕሪን ኣየርን ልምምዳት በብእዋኑ ኣብ ጅቡቲ ከምእተካይድ ይፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0