ዓመታዊ እቶት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ከምዘንቖልቆለ ተገሊጹ

ዓመታዊ እቶት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ከምዘንቖልቆለ ተገሊጹ

Radio Erena: February 26, 2014

Eri poor

ዓመታዊ እቶት ኤርትራውያን ሰራሕተኛታት ብደረጃ ዓለም ክወዳደር እንከሎ ብገምጋም ናብ 543 ዶላር ከምዘንቖልቖለ ሓድሽ ጸብጻባት ቁጠባ ኣመልኪቱ።

ኤርትራ ሓንተን ቀዳሞት 10 ድኻታት ሃገራት ዓለም ኮይና፣ እቶት ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብመንጽር ዶላር ክርአ እንከሎ፣ ኣብ ወርሒ 45 ዶላር ኮይኑ ብመንጽር ሕጋዊ ሸርፊ ባጤራ ኤርትራ ድማ ንወርሒ 678 ናቕፋ’ዩ።

እዚ ድማ ብገምጋም ሓደ ሰራሕተኛ ንመዓልቲ ሓደ ዶላርን ሓምሳ ሳንቲምን ይኽፈሎ ኣሎ ማለት’ዩ።

ባንክ ዓለም ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን ብዘቐመጥዎ መምዘኒ ድማ ንመዓልቲ ትሕቲ ክልተ ዶላር እቶት ዘለዎ ዝኾነ ሰብ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት’ዩ ዝርከብ።

 

ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ኤርትራውያ’ውን ንመዓልቲ ትሕቲ ኣስታት ክልተ ዶላር ኣታዊ ስለዘለዎ እታ ሃገር ካብተን ቀዳሞት ዓሰርተ ድኻታት ሃገራት ክትስራዕ ጌሩዋ ኣሎ።

መነባብሮ ህዝብታት ዓለም ካብ ዓመት ናብ ዓመት ክብ እናበለን ኣብ ጥዕና፣ ኣመጋግባ፣ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ፣መንበሪ ኣባይቲ፣ መብራህትን ማይን’ውን ካልእን ውሕስነት እናረጋገጸን ኣብ ዝመጸሉ፣ ህዝቢ ኤርትራ በንጻሩ ነቲ እቐዲሙ ዝነበሮ መነባብሮ’ውን ክዕቕብ ኣብ ዘይክእለሉ ደረጅ ኣበጺሑ ይርከብ።

መሰረታውያን መግብታትን ኣገልሎታትን ኣብ ኤርትራ ውሕስነት ዘይብሉ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ ዋጋታቱ’ውን ካብ ግዜ ናብ ብዕጽፍታት እናነሃረ’ዩ ዝመጽእ ዘሎ።

በንጻሩ ድማ እቶት እቲ ስሩዕ ደሞዝ ዘለዎ ኤርትራውያን ኣብቲ ዘለዎ ደው ኢሉ ጥራይ ከይኣክል፣ ዝቕባበ ኣዳኺምዎን ናይ ምዕዳግ ዓቕሙ ባይታ ዘቢጡን ምህላዉ ይፍለጥ።

ኣብ ኤርትራ ናይቶም ዝበዝሑ ሰራሕተኛታት ወርሓዊ ደሞዝ፣ ካብ 678 ክሳብ 1400 ክኸውን እንከሎ፣ ምስ ደረጃ መነባብሮ ክርአ እንከሎ፣ ህዝቢ ብሰለስተ ዕጽፊ ናይ እቶቱ ክነባበር’ዩ ዝግደድ ዘሎ።

ቁጠባ ኤርትራ ካብቲ ወዲቕዎ ዝርከብ ባይታ ብ11.9 ሚእታዊት ይትንእስ ከምዘሎ ሓያሎ ጸብጻባት ቁጠባ እኳ እንተሓበረ፣ ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ዘምጽኦ ቅልጡፍ እወታዊ ለውጢ ክህሉ ከምዘይኮነ
=======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0