ዑቕባ ንምሕታት ምስ ሄሊኮፕተሮም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለቡ ተረጋጊጹ

ዑቕባ ንምሕታት ምስ ሄሊኮፕተሮም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለቡ ተረጋጊጹ

Radio Erena: 24 December 2014

MI35

ዑቕባ ንምሕታት ምስ ሄሊኮፕተሮም ናብ ኤርትራ ዝኣተዉ ሰለስተ ኣባላት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብዓርቢ 19 ታሕሳስ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ዓሰብ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝዓለቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እታ ሄሊኮፕተር ኣብ ዓሰብ ሃንደበታዊ ምዕላብ ድሕሪ ምክያዳ፣ ድሕሪ ዝተወሰነ ሰዓታት ናብ ባጽዕ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ከምዝገዓዘትን፣ ንጽባሕቱ ቀዳም 20 ታሕሳስ ከኣ ኣስመራ ናብ ዝርከብ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ከምዝኣተወት’ውን እቲ ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

እታ ኤም ኣይ 35 ዝዓይነታ፣ 10 ዝተፈላለየ መዋግኢ ኣጽዋር እትዓጥቕ ሄሊኮፕተር፣ ኣብራሪኣን ተሓጋጋዚኡን ሳልሳዮም ድማ ናይ በረራ ቴክኒሻን ከምዝነበርዋ ክፍለጥ እንከሎ፣ ኣብ ዓሰብ ድሕሪ ምእታዎም ብኡ ንብኡ ሰለስቲኦም ዑቕባ ከምዝሓተቱ’ዩ ተሓቢሩ።

 

እንተኾነ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፣ ነታ ካብ ዓርቢ ኣትሒዛ ዝተሰወረቶ ነፋሪት ክደሊ ከምዝጸንሐ ብምጥቃስ፣ ኣብራሪ ናይታ ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር ንተሓጋጋዚኡን ናይ በረራ ቴክኒሻንን ኣገዲዱ ሒዝዎም ናብ ኤርትራ ከምዝሰለመ’ዩ ገሊጹ።

ብዓይኒ ሞያ ክርአ እንከሎ ግና ዋና ኣብራሪ ብረት ብዝዓጠቑ ተሓጋጋዚኡ ወይ ድማ ናይ በረራ ቴክኒሻን ክግደድ እንተዘይኮይኑ፣ ባዕሉ ብዝመርሓ ሄሊኮፕተር ምስኡ ንዘለዉ ብረት ዝዓጠቑ ካልኦት ከገድድ ኣጸጋሚ ምዃኑ’ውን ብዛዕባ’ዚ ናይ ሓይሊ ኣየር ሞያ ኣፍልጦ ዘለዎም ክኢላታት የብርሁ።

ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ሓያሎ ኣብረርቲ ነፈርትን ቴክኒሻናትን ኢትዮጵያ ኤርትራ ናብ እትርከበን ሃገራት ናብ ስደት ከምርሑ እንከለዉ፣ ንብረት ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝኾና ኤም ኣይ 35 ዝዓይነተን ሄሊኮፕተራት ኣብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ክኣትዋ ድማ እዚኣ ካልኣይቲ’ያ።

እታ ናይ መጀመርያ ኣብ ኢድ መንግስቲ ኤርትራ ዝኣተወት ኣስታት 25 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኣ ኤም ኣይ 35 ዝዓይነታ ናይ ውግእ ሄሊክፕተር ኣብ እዋን ኵናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተማረኸት ምዃና ይዝከር።

ብዘይካ’ዛ ኣብረርታ ዑቕባ ንምሕታት ብ19 ታሕሳስ ናብ ኤርትራ ሒዞማ ዝኣተዉ ናይ ውግእ ሄሊኮፕተር፣ ኣቐዲመን’ውን ብውሕዱ ክልተ ወትሃደራውያን ነፈርቲ በተመሳሳሊ መንገዲ ናብ ኤርትራ ከምዝኣተዋ’ውን ምንጭታት ሓይሊ ኣየር ኤርትራ የመልክቱ።

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ ዕድመ ዘለዎን ዘመናውያን ነፍርቲ ዝውንን እኳ እንተኾነት፣ ብዘጋጥማ ቀጻሊ ህድማ ኣብረርትን ቴክኒሻናትን ብኸቢድ ይጽሎ ምህላዉ ዝፍለጥ’ዩ።

ካብ 1998 ክሳብ 2000 ዓመተ ምህረት ምስ ኢትዮጵያ ኵናት ዘካየደትን ክሳብ እዚ እዋን እዚ ድማ ኣብ ምፍጣጥ እትርከብ ኤርትራ’ውን፣ ንሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ዝገጥም ዓቕምን ነፈርቲ ውግእን ኣብ ምህናጽ እኳ እንተነበረት፣ ድሕሪ 2002 ካብ ዝነበረ ግዜ ንደሓር ግና ምኩራት ኣብረርትን ቴክኒሻትን ክሃድሙ’ዮም ተራእዮም።

ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ ሰለስተ ዓመታት ናብ ስዑዲ ዓረብ ሱዳንን ናይ ዝሃደሙ ኣብረርትን ቴክኒሻናትን ቁጽሪ ክሳብ 10 ከምዝበጽሕ’ዩ ዝንገረሉ።

ኤርትራውያን ኣብረርቲ መብዛሕቶም ዑቕባ ንምሕታት ዝመርጽዎ መንገዲ ስዑዲ ዓረብ ክኸውን እንከሎ፣ ኢትዮጵያውያን ኣብረርቲ በንጻሩ ናብ ኤርትራ’ዮም ዝኣትዉ።

ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ እተን ሓይሊ ኣየር ንዝርከቦ ወትሃደራዊ ንዋት ዝገዘፈ ባጀት ዝስልዓ ሃገራት ምዃኑን’ዩ ዝጥቐስ።

================================

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0