ው.ሕ.ሃ. መርማሪት ጉጅለ ናብ የመን ክልእኽ’ዩ

ው.ሕ.ሃ. መርማሪት ጉጅለ ናብ የመን ክልእኽ’ዩ

Radio Erena: 01 October 2017

yemen war crimeባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ኣብ የመን ተፈጺሙ ዝበሃል ዘሎ ናይ ኲናት ገበናት ዝምርምር ጉጅለ ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘመሓላለፎ መግለጺ፣ ብስዑዲ ዓረብ ዝምራሕ ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ ልዕሊ የመን ከካዪዶ ዝጸንሐ ደብዳብ ነፈርቲ ናይ ዝተጎድኡ ሰላማውያን ሰባት ዝምርምር ናጻ ጉጅለ ብቕጽበት ክዋፈር ብምሉእ ድምጺ ከምዝጸደቐ ኣፍሊጡ።

 

ኣብ ወርሒ መጋቢት ናይ 2015 ዝጀመረ ደብዳብ ነፈርቲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ የመን፣ ኣብ ልዕሊ ቤት ትምህርታት፣ ዕዳጋታት፣ ሆስፒታላትን ካልእ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላትን፣ ቦምባታት ከምዝተደርበየ ክግለጽ እንከሎ፣ ብኢራን ከምዝድገፉ ዝግለጸሎም ዕጡቓት ሓይልታት ሑቲ’ውን ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ከቢድ ገበናት ፈጺሞም ዝብል ክስታት ክቐርብ ጸኒሑ’ዩ።

ስዑዲ ዓረብ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናጻ መርማሪ ኣካል ክቐውም ንዘቕረቦ እማመ ንክልተ ዓመታት ገቲኣቶ እያ ጸኒሓ።

ስዑዲ ዓረብ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ’ተን እማመ ዘቕረባን ዝደገፋን ሃገራት ኤውሮጳ፣ ቁጠባውን ዲፕሎማስያውን ስጉምቲ ከምእትወስድ ብተደጋጋሚ ገሊጻ’ያ። እንተኾነ እዚ ብዕለት 30 መስከረም ዝተመሓለፈ ውሳኔ ካብቲ ኣቐዲሙ ብነዘርላንድስን ካናዳን ዝቐረበ እማመ ኣዝዩ ዝፎኾሰ ብምዃኑ ተቐቢላቶ ከምዘላ ተፍልጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0