ው.ሕ.ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ 500 ኣባላቱ ናብ ኡጋንዳ ኣግዒዙ

ው.ሕ.ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝነበሩ 500 ኣባላቱ ናብ ኡጋንዳ ኣግዒዙ

Radio Erena: May 1, 2014

UN relocated

ኩነታት ደቡብ ሱዳን ዘሰከፎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብታ ሃገር ንዝነበሩ ልዕሊ 500 ኣባላቱ ኣውጺእዎም።

እቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ደቡብ ሱዳን ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብቲ ዝንቐሳቐስሉ ከባቢታት ኣንጻሮም ዝቐንዐ መጥዕቃዕታት ብምሕያሉ፣ እቲ ውድብ ካብታ ሃገር ከምዘውጽኦም ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ኣፍሊጡ።

 

እቶም ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ተሳሒቦም ዘለዉ ልዕሊ 500 ሰራሕተኛታት ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ደቡብ ሱዳን፣ ናብ ኡጋንዳ ከተማ ካምፓላ ከምዝገዓዙ’ውን ጋዜጣ ኒው ቪዥን ሓቢራ።

እንተኾነ እቲ ውድብ፣ ኣብ ህጹጽ ጉዳያት ዝዋፈሩ ኣባላቱ ክሳብ እዚ እዋን እዚ ኣብ ጁባን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት እታ ሃገርን ከምዘለዉ ገሊጹ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ላዕላውይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ናቪ ፒላይ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ደቡብ ሱዳን ሬካ ማሻር ኣብ ምስጢራዊ ቦታ ተራኺቡ ከምዝተዘራረበ እቲ ውድብ ኣፍሊጡ።

እቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ሰብኣዊ መሰላት፣ ምስ ሬክ ማሻር ድሕሪ ምርኻቡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኩነታት ድሕሪ ምዝርራብ፣ ክልቲኤም ወገናት ምዕስካር ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ደው ከብሉ ተማሕጺኑ።

መንግስትን ተቓወምትን ደቡብ ሱዳን ኣስታት 9 ሽሕ ትሕቲ ዕድመ ቆልዑ ብረት የዕጢዕም ከምዘለዉ ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የቃልዕ።

==========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0