ውድብ ጥዕና ዓለም፣ ‘ኣፍሪቃ ሃገራት ኣፍሪቃ ንኮቪድ 19 ብዝምልከት ዝህቦኦ ጸብጻብ ሓቅነት የብሉን’

Radio Erena: 02 August 2020

ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ንለበዳ ኮሮኖ ቫይረስ ብዝምልከት ብወግዒ ዝህቦኦ ዘለዋ ቁጽሪ ሕሙማትን ህይወቶም ዝሰኣኑን፣ ካብቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ኣዝዩ ዝፈላለይ ምዃኑ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
እቲ ውድብ ኣብዚ ሳልስቲ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ ለበዳ ንምቁጽጻር ዝሕግዝ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝግበር መርመራታት ኣዝዩ ትሑት ኣብ ርእሲ ምዃኑ፣ በቲ ሕማም ተለኺፎም ናይ ዝሞቱ ቁጽሪ ሰባት እውን ነቲ ሓቀኛ ቁጽሪ ከምዘይውክል ኣፍሊጡ።
ኣብቲ መግለጺ ከም ኣብነት ተጠቒሳ ኣብ ዘላ ኬንያ፣ ብዉሑዱ 634 ሓካይም በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ከምዘለዉ ገሊጹ።
ብሓፈሻኡ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሕግታት ውሸባ ብምጽናዕ ነቲ ለበዳ ብናህሪ ካብ ምስፍሕፋሕ ክገትኦኦ እኳ እንተኸኣላ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ክልተ ቅነ ቁጽሪ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ብ20 ሚእታዊት ወሲኹ’ሎ።
ኣብዚ እዋን ኮቪድ 19፣ ድኽነት፣ ቁጠባዊ ቅልውላውን ዋሕዲ ሓበሬታን ንሃገራት ኣፍሪቃ ቀንዲ ሽግር ኮይኑወን ምህላዉ ዝፍለጥ ኮኑ፣ ስርዓተ ምሕደራን ተሓታትነትን ዘለዎ ስርዓት ብዘይምቛመን ከኣ ካልእ መሓንቖ ኮይኑ ይርከብ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0