ውድብ መግብን ሕርሻን፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝተጸልዋ ልዕሊ 9 ሽሕ ስድራቤታት ሓገዝ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ

Radio Erena: 17 September 2021

ውድብ መግብን ሕርሻን- FAO፣ ኣብ ኤርትራ፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ንዝተጸልዉ ሓረስቶት፣ መግቢ እንስሳ፣ መድሃኒት ጸረ-ኣንበጣን መንጸጊ መድሃኒታትን ከምዘበርከተ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል፣ ብወራር ዕስለ ኣንበጣ ኣብ ዝተሃስየ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ንዝገበሮ ንጥፈታት ዝገልጽ ወቕታዊ ጸብጻብ ብዝዘርግዕ መሰረት፣ ኣብ ኤርትራ ን9500 ስድራቤታት፣ ነፍሲ ወከፈን ሓደ ኵንታል መግቢ ከብቲ፣ ጤለ-በጊዕን መጽዓኛን ኣበርኪቱ።

እቲ ትካል፣ ኣብ ርእሲ’ዚ፣ 30 ሽሕ ሊትሮ መድሃኒት ጸረ-ኣንበጣ፣ 20 ብሞተር ዝሰርሕ፣ 23 ድማ ኣብ መኪና ዝስቐል መንጸጊታትን ሓጊዙ።

ኣብ ካልኦት ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ’ውን ተመሳሳሊ ሓገዝ ዝገበረ FAO፣ ስግኣት ወራር ዕስለ ኣንበጣ ካብቲ ዞባ ከምዘይተኣልየ ኣዘኻኺሩ።

ብሰንኪ ኵናት ሚልዮናት ሓረስቶት ካብ መነባብርኦም ተመዛቢሎም ኣብ ዝርከብሉ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ወራር ዕስለ ኣንበጣ’ውን ኣብ ሰፊሕ ናይ ሕርሻ መሬት ጉድኣት ስለዘውረደ፣ ብዝሒ ተጸበይቲ ረዲኤት 10ታት ሚልዮናት በጺሑ ይርከብ።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0