ውድብ መግቢ ዓለም፣ ኣብ ትግራይ ንዝርከቡ ኣስታት 20 ሽሕ ስደተኛታት ወርሓዊ ናይ መግቢ መቑነን ዓዲሉ

Radio Erena: 05 November 2021

ኣብ ትግራይ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ማይ ዓይኒን ዓዲሓሩሽን ዝርከቡ ኣስታት 20 ሽሕ ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብ20 ጥቅምቲ ወርሓዊ ናይ መግቢ መቝነን ከምዝተዓደሎም ድሒሩ ዝበጽሓና ዜና ኣረጋጊጹ።

እቲ ብውድብ መግቢ ዓለም ንኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተዓደለ መቝነን፣ ንነፍሲ ወከፍ ሰብ 13 ኪሎ ስርናይ፣ ፍርቂ ኪሎ ንጸብሒ ዝኸውን ጥረ ምረ ወይ ክክዕ፣ ሓደ ሊትሮ ዘይትን ሓንቲ ሳሙናን ዘጠቓለለ’ዩ።

ኣብዚ መዓስከራት ዝርከቡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንከቢድ ሓደጋ ጥሜት ተቓሊዖም ከምዝርከቡ ዝፍለጥ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣብ ሽረን ከባብኣን ተበታቲኖም ካብ ዝጸንሑ ኣስታት 50 ዝኾኑ፣ ቆልዑን ደቂንስትዮን ዝርከብዎም ኤርትራውያን ስደተኛታት ብ25 ጥቅምቲ፣ ኣብ ክልል ዓፈር ናብ ዝርከብ በርሓለ ድሕሪ ምስጋሮም፣ ኵናት ናብቲ ከባቢ’ውን ስለዝለሓመ፣ ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተደኮነ ሓደሽ መዕቖቢ ስደተኛታት ዳባት ክግዕዙ ከምዝተገደዱ ኮሚተን ወከልትን ኤርትራውያን ስደተኛታት ሓቢሮም ።

ኣብ ክልል ዓፈር ዝርከቡ ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት’ውን ግዳያት እዚ ናብ ኩሉ መኣዝን ልሒሙ ዘሎ ኵናት ኢትዮጵያ ይኾኑ ምህላዎም እቶም ኮሚተን ወከልቲን ይጠቕሱ።

ምስዚ ብዝተኣሳሰር፣ ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ኮሚተ ወደብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ንመሰል ኤርትራውያን ስደተኛታ ኣብ ኢትዩጽያን፣ ብዛዕባ ህሉው ኩነታት ኤርትራውያን ኣብ ኢትዮጵያ ብዝምልከት፣ ንዝተፈላለያ መንግስታውያንን ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ብኣካልን ብጽሑፍን ጠለባት ከምዘቕረቡ ካብ ወከልቲ ኮሚተ መርጌታ ሰለሙን ተስፋማርይልምን ታደሰን ገሊጾም ።

እቶም ወከልቲ ኤርትራውያን ስደተኛታት፣ ብ30 ጥቅምቲ፣ ምስ ወኪል ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኣብ ኢትይጵያ Mr. ማማዱን ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ጉዳይ ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን ኢትዩጵያ (ARRA) ኣቶ ተስፋሁን ጎበዛይ ብምርኻብ ዘትዮም።

ኣብ ርእሲ’ዚ ምስ ሓላፊ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዩጵያ ዶ/ር ዳኔኤል በቀለ ብምርኻብ፣ ምስ UNHCRን ARRAን ከም መንጎኛ ኮይኑ ጉዳዮም ኣተኩሮ ክረክብ ክሰርሕ ተማሕጺኖም።

============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0