ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክዕጾ፣ ዳግማይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ

Radio Erena: 13 September 2020

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት ክዕጾ፣ ዳግማይ መጸዋዕታ ኣቕሪቡ።

ዋና ጸሓፊ’ቲ ውድብ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ንባይቶ ጸጥታ ኣብ ዝለኣኾ መጸዋዕታ፣ እቲ ኣብ ትሕቲ መንግስቲ ሊብያ ዝርከብ መዓስከር ስደተኛታት፣ ኢሰብኣዊ ተግባራት ዝፍጸመሉ መዳጎኒ ብምዃኑ፣ ኣብኡ ተቐዪዶም ዝርከቡ ስደተኛታት ክፍትሑ ተማሕጺኑ።

ኣብ ሊብያ ኣብ ዝተፈላለያ መዓስከራት ልዕሊ 2,780 ዝርከቡ ኮይኖም፣ ኣካየድቲ’ቲ መዓስከርን ኣብ ሓለዋ ተዋፊሮም ዘለዉን፣ ኣብ ልዕሊ’ቶም ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝኾኑ ስደተኛታት ዝፍጽምዎ ዘለዎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ንክብረት ደቂ-ሰብ ዘዋርድ እዩ ክብል ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጹ።

ሰበስልጣን ሊብያ፣ ኣህጉራዊ ውዕላት መሰል ስደተኛታት ከኽብሩ፣ ሰብኣዊ ግዴታ ከምዘለዎም ብምዝኽኻር፣ እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ብፍላይ’ቶም ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ኣብ ዝኾነ ይኹን ኩነታት ክቕየዱ ከምዘይብሎም ኣፍሊጡ።

ኣጃንስ ፍራንስ ፕረስ ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት ካብቶም ልዕሊ 2,780 ዝኾኑ ስደተኛታት፣ 20 ሚእታዊት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት እዮም።

ድሕሪ ምውዳቕ ስርዓት ኣልቐዛፊ ኣብ ቅልውላው እትርከብ ሊብያ፣ ኣብ ምብራቕን ምዕራብን ተኸፋፊላ ስልጣን ንምጭባጥ ብዝፈኻኸሩ መራሕቲ ቀቢላታትን ሰራዊትን፣ ኣብ ውግእ ሓድሕድ እያ ትርከብ።

ገለ ካብቲ መዓስከር ስደተኛታት፣ መኽዘን ኣጽዋር ብምዃኑ፣ እቶም ስደተኛታት ኣብቲ ኲናት ቀንዲ ዒላማ ይኾኑ ከምዘለዉ ይግለጽ። ገለ ወተሃደራውያን ሓለፍቲ’ውን ነቶም ስደተኛታት ኣጽዋር ከቀባብሉ የስገድድዎም ምህላዎም እዩ ዝጥቀስ።

ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ንምስጋር ዝሕልኑ ኤርትራውያንን ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን፣ ከቢድ መከራ ከምዘሕልፉ ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0