ውህሉል ዕዳ ሃገራት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 583 ቢልዮን ዶላር በጺሑ

Radio Erena: 20 February 2020

ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ ዘለወን ውህሉል ዕዳ 583 ቢልዮን ዶላር ከምዝበጽሐ ጸብጻብ ባንክ ዓለም ገሊጹ።

ብመሰረት ጸብጻብ እቲ ኣህጉራዊ ፊናንስያዊ ትካል፣ ቅድሚ 10 ዓመታት 236 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ዕዳ ዝነበረን እዘን ሃገራት፣ ኣብ 2018 ብ150% ንሂሩ ናብ 583 ቢልዮን ደይቡ ይርከብ።

እዚ ድማ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ክትጻወሮ ናብ ዘይትኽል ዕዳን ሳዕቤናቱን ትሽመም ከምዘላ ዝእንፍት ምዃኑ ተንተንቲ ቁጠባ የረድኡ።

ዕዳ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ዓመት እናነሃረ ዝኸደሉ ዘሎ ኣውራ ምኽንያት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ቻይና ቅድመ ኩነታት ዘይብሉ ልቃሕ ነዘን ሃገራት ብብዝሒ ትህብ ስለዘላ ምዃኑ እቶም ተንተንቲ ይጠቕሱ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝወሓድ ውህሉል ዕዳ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪቃ ተባሂላ’ያ ትግለጽ።

ክሳብ ታሕሳስ 2017፣ ኣስታት 875 ሚልዮን ዶላር ዕዳ ዝነበራ ኤርትራ ኣብ መወዳእታ 2018 ናብ ልዕሊ 3.5 ቢልዮን ዶላር ከምዝዓረገ ጸብጻባት ቁጠባ ይጠቕሱ።

ባንክ ዓለምን ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብን፣ ኣብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ካብ ዘሻቕለን ኣውራ ጉዳያት፣ ግሉጽነትን ብቑዕ ምቁጽጻር ብልሽውናን ዘይምህላው፣ ድኹም ምሕደራ ልቓሕን’ዩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ልዕሊ 580 ቢልዮን ዶላር ዕዳ ደኣ ይሃልወን’ምበር ዓመታዊ ኣስታት 100 ቢልዮን ዶላር ብብልሽውና ከምዝጠፋፋ’ዩ ዝግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0