ውህሉል ሃብቲ ሸኽ ኣል ኣሙዲ ብ9 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቆልቀለ ተገሊጹ

ውህሉል ሃብቲ ሸኽ ኣል ኣሙዲ ብ9 ቢልዮን ዶላር ከምዘንቆልቀለ ተገሊጹ

Radio Erena: 04 February 2019

ስዑዲ ዓረብ ብክሲ ብልሽውና ኣሲራቶም ካብ ዝጸንሐት ዜጋታት ሓደ ዝኾነ፣ ሸኽ መሓመድ ሑሰን ኣል ኣሙዲ፣ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምዝተፈትሐ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ ግዜ፣ ዝነበሮ ናይ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር ውህሉል ሃብቲ፣ ብ9 ቢልዮን ከምዘንቆልቖለ ተሓቢሩ።

ኣብ ሃብቲ ውልቀሰባትን ትካላትን መጽናዕቲ ዘካየድ መጽሄት ፎርብስ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፣ ብዘዋህለሎ ናይ 10.9 ቢልዮን ዶላር ሃብቲ፣ ኣብ ዓለም ምስ ቀዳሞት 20 ዝስራዕ ዝነበረ ሸኽ ኣል ኣሙዲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ውህሉል ሃብቱ ናብ 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣንቖልቝሉ፣ ደረጅኡ ድማ ናብ 159 ወሪዱ ይርከብ።

መጽሄት ፎርብስ፣ እዚ ስዑዳዊ-ኢትዮጵያ በዓል ጸጋ ዘዋህለሉ ልዕሊ 10 ቢልዮን ዶላር፣ “ምንጩ ኣይተፈልጠን” ብዝብል ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ደረጃ ኣይሰርዖን።

ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣሲራቶ ዝጸንሐት ኣል ኣሙዱ ንኽፍታሕ፣ ብዙሕ ገንዘብ ከምዝኸፈለ’ዩ ዝግለጽ።

ይኹን’ምበር መጠን ናይቲ ዝተኸፍለ ገንዘብ ኣይተነጸረን።

ከተካይዶ ዝጸንሐት ወፍሪ ጸረ ብልሽውና፣ ምስ ምፍታሕ ሸኽ ኣል ኣሙዲ ከምዝዛዘመት ዘፍለጠ ስዑዲ ዓረብ፣ 100 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ገንዘብ ኣታዊ ከምዝገበረት ኣረጋጊጻ።

ሸኽ ኣላ ኣልሙዲ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ቢልዮናት ወፍሪ ብምኽፋት፣ ንልዕሊ 50 ሽሕ ዜጋታት እታ ሃገር ናይ ስራሕ ዕድል ፈጢሩ ጸኒሑ’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝርከብ ሸኽ ኣል ኣሙዲ፣ ውህሉል ሃብቱ ናይ 9 ቢልዮን ዶላር ምንቑልቛል ኣጋጢምዎ ስለዝርከብ፣ ናብ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሱ፣ ንወፍርታት ከመይ ከካይዶ’ዩ ገና ኣይተፈልጠን።

COMMENTS

WORDPRESS: 0