ዋጋ ነዳዲ፣ ንሓደ በርሚል ናብ ኣስታት 25 ዶላር ወሪዱ

Radio Erena: 20 March 2020

ዕዳጋታት ዓለም ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ቀውሲ ኣትዮዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፣ ዋጋታት ነዳዲ ኣብዚ 18 ዓመታት ናብ ዝተሓተ ደረጅኡ ወሪዱ ይርከብ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ብዘሎ ዕዳጋታት መሰረት፣ ንሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ ካብ 20 ክሳብ 25 ዶላር’ዩ ዝሽየጥ ዘሎ።

እዚ ድማ ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት ዝሽየጠሉ ዝነበረ ዋጋ ብ24% ጎዲሉ ማለት’ዩ።

ኣብ ለካቲት 2002፣ ዋጋ ሓደ በርሚል ዘይተጻረየ ነዳዲ፣ ናብ ኣስታት 20 ዶላር ወሪዱ ምንባሩ ዝዝከር ኮይኑ ድሕሪ’ዚ እዋን’ዚ ንፈለማ እዋና ናብዚ ዋጋታት እዚ ዝጽጋዕ መሸጣ ነዳዲ ክርአ ኣብዚ ሰሙን ናይ መጀመርያ’ዩ።

ብሰንኪ ምንቑልቋል ዋጋታት ነዳዲ ኣብ ሻቕሎት እትርከብ፣ ብመሸጣ ነዳዲ እትናበር ስዑዲ ዓረብ፣ ምርግጋእ ክሳብ ዝረአ፣ ዓመታዊ ባጀታ ብ5% ብምንካይ ቁጠባኣ ንምስትኽኻል ወጢና ምህላዋ ኣፍሊጣ።

ስዑዲ ዓረብ መዓልታዊ ኣስታት 10ሚልዮን በርሚል ነዳዲ’ያ ናብ ዕዳጋታት ዓለም ትቕርብ።

ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ቅልውላው ዋጋ ነዳዲ ንምርግጋእ ፍርያታ ናብ 12.3 ሚልዮን በርሚል ንመዓልቲ ከተዕርጎ መዲባ ኣላ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0