ዋዕላ “ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” ተኻይዱ

Radio Erena: 25 August 2019

ብስም “ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” ዝተወደበ ዋዕላ ደለይቲ ፍትሒ፣ ካብ 23 ክሳብ 25 ነሓሰ፣ ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ፍራንክፈርት ተኻይዱ።

ዕላማኡ፣ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ኮይኑ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ፣ ጸቕጢ ምፍጣርን ፣ኣብ መንጎ ዲሞክራሰያውያን ፖለቲካዊ ውድባት ዘሎ ፍልልያት ንምጽባብን ምዃኑ ኣዳለውቲ ናይቲ ዋዕላ ንሬድዮ ኤረና ገሊጸን።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፣ ማዕርነት ፣ሕድገትን ዕርቅን ዘተኮሩ መጽናዕታዊ ወረቓቕቲ ቀሪቦም።

ካብ ዝተፈላለዩ ኩርናዓት ዓለም ዝመጹ ኣማኢት ኤርትራውያን ተሳተፍቲ፣ በብጉጅለታት ተኸፋፊሎም ኣብቲ ዝቐረበ ጉዳያት ዘትዮምን ተኻቲዖምን።

ዋዕላ “ንቕሎ ኣዴታት ንምድሓን ህዝብን ሃገርን” ብመራሕቲ ሃይማኖት፣ ብጸሎት ተኸፊቱ ብጸሎት ድማ ተዛዚሙ።

=============

 

 

COMMENTS

WORDPRESS: 1
  • comment-avatar

    Amlek mes kuluna yekun deletnan hasbnan nay gidey kisemrela eyu ajona