ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ

ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ

Radio Erena: 10 February 2019

መበል 32 ስሩዕ ዋዕላ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ብዕለት 7 ለካቲት ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተኸፊቱ።

እዚ ብዋዕላ ወከልቲ ኣባል ሃገራት ጀሚሩ ኣብ ዕለት 10ን 11ን ብመራሕቲ ሃገራት ክዛዘም ትጽቢት ዝግበረሉ ዓመታዊ ዋዕላ፣ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ተመዛበልትን ዝያዳ ኣተኩሮ ክገብር ትጽቢት ይግበረሉ።

ከምዝፍለጥ ኣብ ዓለም ካብ ዝርከቡ ተመዛበልቲ፣ እቶም 26 ሚእታዊት ዜጋታት ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ዝርከባ ሃገራት ኣፍሪቃ እዮም። ዩጋንዳ፣ ሱዳንን ኢትዮጵያን ከኣ ዝበዝሑ ስደተኛታት ኣዕቊበን ዘለዋ ሃገራት እየን።

ኣህጉራውያን ተጣበቕቲ መሰላት፣ ‘ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ካብ ወጻኢ ረዲኤት ከይተጸበያ፣ ውሽጣዊ ጉዳያተን ባዕለን ክፈትሓሉ ዝኽእላ ሜላታት ዝሕንጽጻሉ እዋን ሕጂ’ዩ ክብሉ ለበዋታቶም የቕርቡ’ለዉ።

ኣብዚ ዋሕላ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካልእ ኣቓልቦ ክወሃቦ ትጽቢት ዝግበረሉ ጸጥታዊ ኩነታት ዶባትን፣ ሕጋዊ መንቀሳቐሲ ፍቓድ ወይ ካብ ቪዛ ናጻ ዝኾነ ካብ ሃገር ናብ ሃገር ናይ ምንቅስቓስ ፍቓድ ዝምልከት ጉዳይ እዩ።

እንተኾነ ኣባላት እዚ ሕብረት ናይ ገዛእ ርእሰን ውሳኔ ከይወስዳ መሓንቖ ኮይኑወን ዘሎ፣ ኣብ መንጎ’ተን ተዛረብቲ ቋንቋታት ፈረንሳን ኢንግሊዘኛን ዝኾና ሃገራት ዘሎ ፍልልይ ምዃኑ ብሰፊሑ ይንገረሉ። ብተወሳኺ መብዛሕትኦም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብሰንኪ ዝኽተሉዎ ፖለቲካዊ መስመር፣ ውሽጣዊ ርግኣት ዘይብለን ሃገራት ስለዝመርሑ፣ ናይ ሓባር ሸቶ ኣብ ምውጻእ ከቢድ ብድሆ ከምዘጋጥሞም ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

==================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0