ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ናብ ትግራይ ክበጽሕ’ዩ

Radio Erena: 13 February 2023

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረዝ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ናብ ክልል ትግራይ ክበጽሕ ምዃኑ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካብ 15 ክሳብ 19 ለካቲት ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ሕብረት ኣፍሪቃ ድሕሪ ምስታፍ፣ ናብ ትግራይ ከምርሕ ምዃኑ’ዩ እቲ መርበብ ዜና ጠቒሱ።

ዕላማ ዑደት እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ብኵናት ዝዓነወ ትሕተ ቅርጺን ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላውን ብኣካል ንምዕዛብን፣ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ፈጢርዎ ዘሎ ናይ ሰላም ሃዋሁ ብዝምልከት ምስ ክልቲኦም ወገናት ንምዝርራብን ምዃኑ’ዩ ተገሊጹ።

ንሱ፣ ምስ ትግራይ ናብ ዘዋስን ክልላት ኣምሓራን ዓፈርን፣ ኵናት ዝፈጠሮ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምዕዛብ’ውን ክንቀሳቐስ’ዩ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ድሕሪ እቲ ስምምዕ፣ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሕዳር ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ረዲኤት ዝጸዓና ልዕሊ 4100 ዓበይቲ መካይን ከምዝልኣኸ’ዩ ዝገልጽ።

ዛጊት ልዕሊ 130 ሽሕ ቶን መግቢን መድሃኒታትን ናብ ትግራይ ክልኣኽ እንከሎ፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ፣ውን ናብቲ ክልል ኣትዩ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0