ወዱ ንፕረዚደንት ሙሰቨኒ፣ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ንህዝቢ ከፍልጥ ምዃኑ ገሊጹ

Radio Erena: 04 May 2022

ወዱ ንፕረዚደንት ዮወሪ ሙሰቨኒ፣ ስልጣን ከይርከብ ኣብ ዝስጋኣሉ ዘሎ እዋን፣ መበል 48 ዓመት ዕድሜኡ ኣብ ዘብዓለሉ እዋን፣ ፖለቲካዊ ኣጀንዳኡ ንህዝቢ ክገልጽ ምዃኑ ገሊጹ።

ለተናል ጀነራል ሙሁዚ ካይነሩጋባ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣዛዚ ሰራዊት ሓይሊ ምድሪ ጥራይ ዘይኮነ፣ ኣብ ፍሉይ ጉዳያት፣ ከም ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኮይኑ እውን የገልግል እዩ።

ሓደ ካብ ውልቀመለኽቲ ምዃኑ ዝፍለጥ ዮወሪ ሙሰቨኒ፣ ንወዱ ስልጣን ከረክቦ የዳልዎ ኣሎ ክብሉ ተቓወምቲ ውድባት’ታ ሃገር ክስታቶም ከቕርቡ ጸኒሖም እዮም።

ለተናል ጀነራል ሙሁዚ፣ ዓመተ ልደቱ ንምኽባር ዝበዓሉ መዓልታት፣ ንሱ ይኣክል ክሳብ ዝብል ክቕጽሉ ምዃኖም እዩ መልእኽቲ ኣመሓላሊፉ። ንሱ ብተወሳኺ፣ ‘ፖለቲካዊ መደባተይ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ንህዝቢ ክነግር እየ’ ብምባሉ፣ ኣብ ፖለቲከኛታት’ታ ሃገር ሻቕሎት ፈጢሩ ይርከብ።

ተቓወምቲ ውድባት ኣኼባታትን ሰልፍታትን ምግባር ከምዝሽገሩ ኣብ ዝገልጹሉ ዘለዉ እዋን፣ ወዱ ንሙሰቨኒ ግና ብናጽነት ሰባት ክእክብን ጎስጓስ ከካይድን ምጅማሩ፣ ኣብ 2026 ኣብ ዝካየድ ፕረዚደንታዊ ምርጫ፣ ክዕወት ዘኽእሎ ስጉምታት ይወስድ ኣሎ ክብሉ’ዮም ተቓወምቲ ውድባት ክስታቶም ዘቕርቡ።

ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፣ ስልጣኑ ንወዱ ከረክብ ንምዃኑ፣ ዛጊት ዝሃቦ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0