ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክዕጾ ከምዝኽእል ከንቲባ እታ ከተማ ኣጠንቒቓ

ወደብ ካሌ ናይ ፈረንሳ፣ ብሰንኪ ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ክዕጾ ከምዝኽእል ከንቲባ እታ ከተማ ኣጠንቒቓ

Radio Erena: 05 September, 2014

Eri Calais

ብዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ዘማረረት ከንቲባ ወደባዊት ከተማ ካሌ ናሳሻ ቡሻር፣ መንግስቲ ፍታሕ ክሳብ ዘናዲ እቲ ወድብ ክዕጾ ከምዝኽእል ኣጠንቒቓ።

እታ ከንቲባ ነዚ መጠንቐቕታ ዘቕረበት ኣስታት ሓደ ሚእቲ ዝኾኑ ስደተኛታት፣ ናብ ብሪጣንያ ናብ ዝተበገሰት ናይ መጓዓዝያ ጃልባ ንምእታው ሓጹር ብምፍንጣስን መዓጹ ብምስባርን ድሕሪ ዝገበረዎ ዕግርግር’ዩ

 

እቶም ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ናብ ጃልባ ብሓይሊ ክድይቡ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብርክት ዝበሉ ፖሊስን ኣባላት ጸጥታን ፈረንሳ ክዓግትዎምን ንዝነበረ ዕግርግር ትማሊ ምሸት ብቴሌቪዝን እታ ሃገር ቀሪቡ። 

ናብታ ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ንምስጋር ተዳልያ ዝነበረት ጃልባ፣ ካብቲ ዕግርግር ሞሊቑ ዝኣተወ ስደተኛ ከይህልዋ ጽኑዕ ተፍትሽ ድሕሪ ምክያዱ፣ ካብ ዝተመደበላ ግዜ 45 ደቒቕ ደንጉያ’ያ ተበጊሳ።

ወደባት ከተማ ካሌ፣ ናብ ብሪጣንታ ንምስጋር ዝሕልኑ ልዕሊ 600 ዜጋታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ኣፍጋኒስታን ኣብ ጎደናታትን ሰብ ዘይነብሮ ህንጻታትን ቴንዳታት ብምዝርጋሕ ንኣዋርሕ ከምዝጽበዩ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ውን ኣታ ከተማ ኣብ ሞንጎ ኤርትራውያን ሱዳናውያንን ብዝተላዕለ ባእሲ፣ ካብ ክልቲኦም ወገን 51 ሰባት ከምዝቖሰሉ ኣይርሳዕን።

ዋሕዚ ስደተኛታት ብማእከላይ ባሕሪ ገኑንሉ ኣብ ዘሎ ግዜ፣ ዶብ ኢጣልያ ሰጊሮም ናብ ፈረንሳ ዝኣተዉ ስደተኛታት፣ ኣብ ካሌ ብምትእኽኻብ ናብ ብሪጣንያ ክሰግሩ’ዮም ዝሕልኑ።

ማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣብዚ እዋን’ዚ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብቀጻሊ’የን ዝዛረባ ዘለዋ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0