ወከልቲ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመን፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ኵናት ትግራይን ዘትዮም

Radio Erena: 13 October 2021

ወከልቲ ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያ፣ ጀርመን፣ ሕብረት ኤውሮጳን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብ ህሉው ኩነታት ኢትዮጵያን ኵናት ትግራይን ብዝምልከት ከምዝዘተዩ ኣፈኛ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኔድ ፕራስ ኣፍሊጡ።

እዚ ብጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ተጸዊዑ፣ ብስሉስ 12 ጥቅምቲ ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ኣብ ትግራይ ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት፣ ብህጹጽ ስምምዕ ምቁራጽ ተኽሲ ክገብሩ ንምድፋእ ዝዓለመ’ዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፣ ከበባ ከብቅዕን፣ ህጹጽ ረዲኤት ናብ ዘድልዮም ድማ ብዘይዕንቅፋት ክበጽሕን ወከልቲ እተን ሃገራት ጸዊዖም።

ኣብቲ ንኵናት ትግራይ እመልኪቱ ዝተኻይደ ፍሉይ ዋዕላ፣ ንሕብረት ኣፍሪቃ ወኪሉ ዝተሳተፈ፣ እዋናዊ ኣቦ መንበር ኢጋድ፣ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ’ዩ።

ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ ድማ፣ ቅድሚ’ቲ ኣኼባ፣ ምስ ጸሓፉ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ተራኺቡ፣ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ዘትዩ’ዩ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ኣመሪካ ምስ ኵናት ትግራይ ብዝተሓሓዝ፣ ተወሳኺ እገዳ ንምንባር ትዳሎ ምህላዋ ኣፍሊጣ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኵናት ትግራይ እናበኣሰ ንዝመጽአ ኵናት ትግራይ፣ ደው ንምባሉ፣ ከም ግብረ መልሲ፣ ኣብ ቁጠባን ካልእን ዘተኮረ እገዳታት ንምትግባር ትግምግሞ ከምዘላ ኣክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፣ ኔድ ፕራስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ።

ኣመሪካ፣ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኵናት፣ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ ድማ ሓይልታት ትግራይን ኣምሓራን ወትሃደራዊ እገዳ ከተንብር ተኽእሎ ከምዘሎ ዲፕሎማሰኛታት ይእምቱ።

ምስ ኢትዮጵያ ከቲማቶ ዝነበረት ወትሃደራዊ ውዕል ዝሰረዘት ፈረንሳ፣ ብወገና፣ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ወትሃደራዊ እገዳ ክትገብር ካብ ዝደፍኣ ዘለዋ ሃገራት ሓንቲ’ያ።

ሓያሎ ሃገራት ብዛዕባ እገዳ ኢትዮጵያ ዝዝትያ ዘላ፣ ኵናት ትግራይ ኣብ ሰፋሕቲ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ፣ ብጽዕጹዕ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋና’ዩ።

==============

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0