ወከልቲ ተቓወምትን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዝትዩ፣ ንከተማ ቦር ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተቓወምቲ ድማ ናብ ጁባ ክግስግሱ ምዃኖም ይግልጹ

ወከልቲ ተቓወምትን መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይዝትዩ፣ ንከተማ ቦር ተቖጻጺሮም ዘለዉ ተቓወምቲ ድማ ናብ ጁባ ክግስግሱ ምዃኖም ይግልጹ

Radio Erena: January 3, 2014

Jubaba

ወከልቲ ተቓወምትን መንግስትን ደቡብ ሱዳን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርርብ ንስምምዕ ሰላም ኣብ ዘካይድሉ ዘለዉ እዋን፣ ዕጡቓት ተቓወምቲ ናብ ከተማ ጁባ ክግስግሱ ምዃኖም ይገልጽ ኣለዉ።

ሰራዊት መንግስትን ተቓወምትን ኣብ ከባቢ ከተማ ቦርና ካልእ ቁሸታትን ግጭት የካይዱ ከምዘለዉ ዝሓበሩ ማዕከናት ዜና፣ ብሬክ ማሻር ዝምርሑ ተቓወምቲ ኑዌር፣ ብዝሒ ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ምምልማልን ብረት ኣብ ምዕጣቕን ተዋፊሮም ምህላዎም ሓቢሮም።

ከተማ ቦር ኣብዚ እዋን ንካልኣይ እዋና ኣብ ትሕቲ ቁጽር ተቓወምቲ ወዲቓ ከምዘላ’ውን ኣፈና ሰራዊት መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ፍሊፕ ኣጉዌር ኣረጋጊጹ።

 

ዕላማ እዚ ብተቓወምቲ ዝካየድ ዘሎ ምምልማልን ምዕጣቕን ንከተማ ጁባ ንምቁጽጻር’ዩ ዝበለ እቲ ኣፈኛ፣ ስምምዕ ሰላም ምቁራጽ ቶዅሲ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ክትግበር እንተዘይክኢሉ፣ ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ከቢድ ኵናት ክህሉ ከምዝኽእል ኣንፊቱ።

ወከልቲ ተቓወምትን መንግስትን ደቡብ ሱዳን፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተ ንስምምዕ ሰላም የካይዱ እኳ እንተለዉ፣ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ጭቡጥ ፍረ ክርከቦ ኣይከኣለን።
====================================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0