ወከልቲ መንግስታት ኤውሮጳ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ዲፕሎማሰኛታቱን ይዘራረቡ

ወከልቲ መንግስታት ኤውሮጳ ብዛዕባ ዋሕዚ ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ኤርትራን ዲፕሎማሰኛታቱን ይዘራረቡ

Radio Erena: 07 April 2015

HanaFrenchMP

ዝተፈላለዩ ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳ ብዛዕባ ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብዝምልከት ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ዲፕሎማሰኛታቱን ርክባት የካይዱ ኣለዉ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ንመንግስቲ ኤርትራ ልምዓታዊ ሃገዝ ብምብርካት ዋሕዚ ኤርትራውያን ስደተኛታት ምግታእ ይከኣል’ዩ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብምትኳር ኣብ ዝሰርሓሉ ዘሎ እዋን፣ ወከልቲ ኢጣልያን ብሪጣንያን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣስመራ ዑደት ብምክያድ ምስ ዝተፈላለዩ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ከምዝተዘራረቡ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ብዘይካ’ዚ’ውን ወከልቲ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ ምስ ዝርከቡ ኣምባሳደራት መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ተመሳሳሊ ዛዕባ ብምትኳር ይዝትዩ ኣለዉ።

ኣባል ባይቶ ፈረንሳን ምክትል ከንቲባ ከተማ ፓሪስን ክሉድ ጎ-ኣስ-ገን ኣብ ፈረንሳ ምስ እትርከብ ኣምባሳደር መንግስቲ ኤርትራ ሃና ስምኦን ብ26 መጋቢት ብምርኻብ’ውን ኣብዚ ነጥብታት እዚ ዘተኮረ ዝርርብ ከምዘካየዱ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ዋሕዚ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ሃገራት ኤውሮጳ ሓደ ካብቲ ዝዓበየ መዛረቢ ኣርእስታት ኮይንሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ እቲ ሕብረት ምስተን ስደተኛታት ብብዝሒ ዘፍርያ ዘለዋ ሃገራት ዝርርባት ኣብ ምክያድ’ዩ ዝርከብ።

ኣብ ኤርትራ ድማ ልዕሊ 300 ሚልዮን ኤውሮ ልምዓታዊ ሓገዝ ብምብርካት፣ ንዋሕዚ ስደተኛታት ክገትኦ ከምዝክእል ይገልጽ እኳ እንተሎ፣ ጠንቂ ስደት ኤርትራውያን ግና ፖለቲካዊ ደኣ’ምበር ቁጠባዊ ከምዘይኮነ’ዩ ዝእመነሉ።

ኣብ ወጻኢ ሃገር ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ደሞክራስያዊ ለውጢ’ውን ንተበግሶ እቲ ሕብረት ብምቕዋም፣ ልምዓታዊ ሓገዝ ቅድሚ ምብርካቱ ኩነታት ሰብኣዊ መሰላት ኤርትራ ክጽናዕ ኣለዎ ብምብላ ናብቲ ሕብረት ጥርዓን የቕርቡ ኣለዉ።

ሕብረት ኤውሮጳ፣ ብዘይካ ንኤርትራ፣ ንኢትዮጵያን ካልኦት ጎረባብቲ ሃገራትን ዝህቦ ልምዕእታዊ ሓገዝ’ውን ብክልተ ዕጽፊ ከዕብዎ ምዃኑ’ዩ ገሊጹ ዘሎ።

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0