ወትሃደራዊት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተዓሺጋ ከምዝቐነየት ተሓቢሩ

Radio Erena: 16 February 2022

ወትሃደራዊት መርከብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ወደብ ዓሰብ ንልዕሊ ሓደ ሰሙን ተዓሺጋ ከምዝቐነየት ምንጭታት ንራድዮ ኤረና ሓቢሮም።

እታ መርከብ፣ ዝተፈላለየ ወትሃደራዊት ናውቲ ከተራግፍን ክትጸዓንን ከምዝርኣዩ ዝጠቕሱ እቶም ምንጭታት፣
ብሰሉስ 8 ለካቲት ካብ ወደብ ዓሰብ መልህቓ ኣልዒላ ከምዝተፋነወት ገሊጾም።

ዕላማ ተልእኾኣ ናብ የመን ክኸውን ከምዝኽእል ድማ ግምታቶም ሂቦም።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ካብ 2015 ኣትሒዛ ኣብ የመን እተካይዶ ዘላ ኵናት፣ ንወደባትን መዓርፎ ነፈርትን ኤርትራ፣ ንወትሃደራዊ ዒላማታት ክትጥቀመሉ ምንባራ ይፍለጥ።

እታ ሃገር ካብ 2018 ኣትሒዛ፣ ኣብ ኤትርራ ዝነበራ ግዝያዊ መዓስከር ከተልዕ ከምዝጀመረት ክጥቐስ ጸኒሑ’ዩ።

ይኹን’ምበር፣ እዛ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ እትርከብ ሃገር፣ ንዝተፈላለየ ዒላማታት መራኽባ ናብ ወደባት ኤርትራ ተጸግዕ’ያ።

ሑቲ ናይ የመን ኣብ ልዕሊ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ናይ ሚሳይልን ድሮንን መጥቃዕታት ምሰ ‘ካየደን፣ ተወሳኺ ክፍጽም ምዃኑ’ውን ምሰ’ ጠንወቐን፣ ኢማራት ዳግም ወትሃደራዊ ምንቅስቓሳታ ኣሐይላ ትርከብ።

ብፍላይ እታ ናብ ኤርትር ቅርበት ዘለዋ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝዓበየት ወደብ ናይ የመን ዝኾነ፣ ሖደይዳ፣ ከም ቀንዲ ኣፍደገ ንሎጂስቲካዊን ወትሃደራውያን ሓገዛት ሑቱ ስለእትርአ፣ ካብ ገማግም ባሕሪ ኤርትራ ብቀረባ ንምክትታሉ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተበግሶታት ክትወስድ ከምእትኽእል ይትንተን።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0