ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘጽነሖም ኣርባዕተ ሰበስልጣን፣ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ኣብ ዝኣወጁሉ ጽባሕ፣ ናጻ ፈንዩዎም

Radio Erena: 28 November 2021
ኣብ ስልጣን ዝርከብ ወተሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዘጽነሖም ኣርባዕተ ሰበስልጣን፣ ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ኣብ ዝኣወጁሉ ጽባሕ፣ ናጻ ፈንዩዎም።
እቶም ኣባላት ካቢኔ፣ ኣመሓደርትን ኮሚሽነራትን ዝነበሩ ሰበስልጣን፣ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ ብዕልዋ ስልጣን ኣብ ዝሓዘሉ እዋን እዮም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።
ኣባል ቆንስል ዝነበረ መሓመድ ፋኪ፣ ሚኒስተር ኢንዱስትሪ ኢብራሂም ኣልሸኽ፣ ወሃብ ቃል ጋፋር ሓሰን ከምኡ’ውን ፍሉይ ልኡኽ ኮሚቴ ዝነበረ ዋጂድ ሳልሕ ገና ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ይርከቡ።
ወተሃደራዊ ዕልዋ ዘካየደ ኣል-ቡርሃን፣ ንዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ እኳ እንተመለሶ፣ ነቲ ምስ ልፍንቲ ማሕበራት ሰብ ሞያ ዝኣተዎ መብጽዓ ጠሊሙ እዩ ብምባል፣ ህዝቢ ሱዳን ሰላማዊ ሰልፊ ካብ ምግባር ደው ኣይበለን ዘሎ።
ማዕረ ማዕሪኡ፣ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ናይ ዝጉድኡ ዘለዉ ሰላማውያን ሰባት ቁጽሪ እንዳዛየደ ይመጽእ ከምዘሎ ማሕበር ሓካይም’ታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ብኻልእ ወገን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ሱዳን ተዛማዲ ምርግጋእ ዲፕሎማሲ ተራእዩ ኣሎ ብምባል፣ ነቲ ዝጀመሮ ናይ ሽምግልና ተራ ክቕጽሎ ከምዝኾነ ኣፍሊጡ።
ኣቐድም ኣቢሉ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ልኡኹ ናብ ካርቱም ክሰድድ ኣብ ዝሓለነሉ፣ እቲ ወተሃደራዊ ጉጅለ፣ ‘ሱዳን ውሽጣዊ ጸገማታ ባዕላ ናይ ምፍታሕ ብቕዓት ኣለዋ’ ብምባል ነቲ ልኡኽ ከምዝነጸጎ ይዝከር።
ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ካብ ዕለት 26 ጥቅምቲ ኣትሒዙ ንሱዳን ካብ ኣባልነቱ ኣጊዱዋ እዩ ጸኒሑ። ምስ ምምላስ ዓብደላ ሓምዶክ ናብ ስልጣን፣ እቲ ሕብረት ነቲ ውሳኔ ክስርዞ እንተኾይኑ፣ ገና ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።

 

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0