ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሑቲ፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ኢዱ ሂቡ

ወተሃደራዊ ኣዛዚ ሑቲ፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ኢዱ ሂቡ

Radio Erena: 07 January 2018

alHutiሓደ ወተሃደራዊ ኣዛዚ ዕጡቕ ሓይሊ ሑቲ ምስ ሓምሳ ኣባላቱ፣ ናብ ሰራዊት መንግስቲ የመን ኢዱ ከምዝሃበ፣ ማዕከን ሓበሬታ ኣል ዓረቢያ ኣፍሊጡ።

እቲ ብቀዳም 6 ጥሪ ኣብ ወደባዊት ከተማ ሖደይዳ ኢዱ ዝሃበ ወተሃደራዊ ኣዛዚ፣ በቲ ብስዑዲ ዓረብ ተደጊፉ ዝዋጋእ ዘሎ ሰራዊት መንግስቲ የመን ኣብ ፍጹም ከበባ ኣትዩ ከምዝነበረ እቲ ሓበሬታ ብተወሳኺ የመልክት።

ኣል ሑቲ ካብ ኢራን ንዝረኽቦ ወተሃደራዊ ደገፍ መስመሩ ንምቑራጽ፣ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ሖዴይዳ ተኸታታሊ መጥቃዕታት የካይድ ኣሎ ክብሉ’ዮም ሰበስልጣን’ቲ መንግስቲ ዝገልጹ።

ገለ ካብቶም ኢዶም ዝሃቡ ወተሃደራት ሑቲ፣ ትሕዲ ዕድመ ከምዝርከብዎም ዝሓበረ ኣል ዓረቢያ፣ ናይ ስነኣእምሮ መርመራ ክግበረሎም ናብ ከተማ ዓደን ተወሲዶም ከምዘለዉ ኣመልኪቱ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0