ወሰኽ ደሞዝ ንምጥላብ፣ ናብ ቤት መንግስቲ ንዝኸዱ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ደፋፊእኩም ዝተባህሉ ሰባት ይእሰሩ

ወሰኽ ደሞዝ ንምጥላብ፣ ናብ ቤት መንግስቲ ንዝኸዱ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ደፋፊእኩም ዝተባህሉ ሰባት ይእሰሩ

Radio Erena: 15 October 2018

General SeAre

ኣስታት 200 ዝኾኑ ኣባላት ሰራዊት ኢትዮጵያ፣ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ንምጥላብ ናብ ቤት መንግስቲ ንክኸዱ ዝደፋፍኡ ኣልት እባ ትሕቲ ቁጽጽር ይኣትዉ ከምዘለዉ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት እታ ሃገር ጀነራል ሰዓረ መኮነን ሓቢሩ።

እቲ ጀነራል፣ እቶም ወትሃደራት፣ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ንምጥላብ ተኣኪቦም ናብ ቤት መንግስቲ ምዃዶም፣ ካብ ወትሃደራዊ ስነ ስርዓትን ሕገ መንግስትን ወጻኢ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

እቶም ወትሃደራት፣ በቲ ዝፈጸምዎ ተግባር ከምዝተጣዕሱን ይቕሬታ ከምዝሓተቱን ዝሓበረ ጀነራል ሰዓረ፣ ብድሕሪት ኮይኖም ዝደፋፍእዎም ሰባት ግና ይእሰሩ ምህላዎም ኣረጋጊጹ።

እንተኾነ መንነትን ማዕረግን ናይቶም ዝእሰሩ ዘለዉ ሰባት ኣየነጸረን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝደግጥም ናዕብን ዕግርግርን ንምርግጋእ፣ ካብ ዝተፈላለየ ኣሃዱታት ዝተወጻጽአ ፍሉይ ሓይሊ፣ ናይ ደሞዝ ወሰኽ ንምጥላብ ዝሓለፈ ሰሙን ናብ ቤት መንግስቲ ብእኩብ ድሕሪ ምዃዶም፣ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ፣ ምስቶም ወትሃደራት ድሕሪ ምዝርራብ 10 ፑሽ ኣፕ ኣስሪሑ፣ ድራር ጋቢዙ ከምዘፋነዎም’ዩ ተገሊጹ።

እቶም ወትሃደራት፣ ብእኩብ ናብ ቤት መንግስቲ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን፣ ሓያሎ ወገናት ወትሃደራዊ ዕልዋ ዝካየድ ከምዝመመሰሎን፣ ኣብታ ከተማ ጸጥታዊ ስግኣት ሰፊኑ ምንባሩ ብእዋኑ ተሓቢሩ’ዩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉምዝ፣ ፍሉይ ወትሃደራዊ ስልጠና ይወስዱ ዝነበሩ ዕጡቓት ጉጅለታት ስጉምቲ ከምዝወሰደ ንመግለጺ መንግስቲ እቲ ክልል ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ሓቢሩ።

እቶም ብዝተወደበ መልክዕ፣ ወትሃደራዊ ስልጠና ክወስዱ ጸኒሖም ዝተባህሉ ጉጅለታት፣ ልዕሊ 30 ከምዝተማረኹ ዝገለጸ እቲ ማዕከን ዜና፣ ዕላምኦም ብንጹር ኣይጠቐሰ።

እንተኾነ ካብ ሰራዊት ዝተፈንጨሉ ኣባላት ከምዝነበርዎም ኣመልኪቱ።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና፣ ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያ ክቃለሱ ዝጸንሑ ዝተፈላለዩ ዕጡቓት፣ ዝተፈላለየ ስልጣናት ተዋሂብዎም።

በዚ መሰረት፣ ሰራዊት ሒዙ ናብ ኤርትራ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፣ ሓደ ካብ መሪሕነት ዕጡቓት ኦሮሞ ዝነበረ ብርጋደር ጀነራል ከማል ገልቹ፣ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኦሮሞ ኮይኑ ክምዘዝ እንከሎ፣ ብተመሳሳሊ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኮለነል ኣበበ ገረሱ ድማ ምክትሉ ኮይኑ።

ብዘይካ’ዚ ብዕልዋ መንግስቲ ተኸሲሱ እብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሐ ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ነበረ ብርጋደር ጀነራል ኣሳምነይ ጽጌ ድማ ሓላፊ ጸጥታ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ተሸይሙ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ሓቢሩ።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0