ወራስ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ ናብ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ቱርኪን ይበጽሕ

Radio Erena: 23 June 2022

ወራሲ ንግስነት ስዑዲ ዓረብ፣ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ናብ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ቱርኪን ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ዑደቱ፣ ብ21 ሰነ ብግብጺ ዝፈለመ መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ምስታ ሃገር ናይ ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ዝተፈላለየ ውዕላት ምፍራሙ ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

ንሱ ኣብቲ ናይ ዮርዳኖስን ቱርኪን ዑደቱ ድማ ምስ’ተን ሃገራት ዝጸንሐ ምርሕሓቕ ብምእላይ ዝምድናዊ ቅርርብ ንምፍጣር ዝሕግዝ ተበግሶታት ክወስድ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ዑደት፣ ብሰንኪ ጥዕናዊ ጉዳያት ሃገር ብሓላፍነት ክመርሕ ከምዘይክኣለ ዝንገረሉ ዘሎ፣ ወዲ 86 ዓመት ንጉስ ሳልማን ቢን ዓብደልዓዚዝ ኣል ስዑድ፣ ስልጣኑ ንወዲ 36 ዓመት ወዱ መሓመድ ብወግዒ ከምዘረከቦ ዘነጸረ’ዩ።

መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ናብዘን ሃገራት ዑደት ዘካየድ ዘሎ፣ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ሓምለ፣ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ዝርከበሉ፣ ዞባዊ ዋዕላ ኣብ ሪያድ ንምትእንጋድ ምድላዋት ኣብ ዝግበረሉ ዘሎ እዋን’ዩ።

ኣብቲ ዋዕላ፣ ሃገራት ወሽመጥ፣- ስዑዲ ዓረብ፣ ቀጠር፣ ሕቡራት ኢማራት፣ ኩወይት፣ ባሕሬይን፣ ዖማንን ከምኡ ድማ መራሕቲ ግብጺ፣ ዮርዳኖስን ዒራቕን ክሳተፉ’ዮም።

ዒላማ እቲ ዋዕላ፣ ብዘይካ’ዚ ኣብ ጸጥታን ወፍሪን እቲ ዞባ ብምትኳር ዝካየድ ዘተን ስምምዓትን መራሕቲ፣ ወራሲ ንግስነት መሓመድ ቢን ሳልማን፣ ብወግዒ መራሒ ስዑዲ ዓረብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ክእወጅ ከምዝኽእል ዝተፈላለያ መርበባት ዜና ትንታነታተን ይህባሉ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0