ወራር ዕስለ ኣንበጣ ናብ ኡጋንዳ ኣስፋሕፊሑ

Radio Erena: 11 February 2020

ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣጋጢሙ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናስፋሕፈሐ ናብ ኡጋንዳ በጺሑ።

እቲ ካብ ኬንያ ሰጊሩ ናብ ኡጋንዳ ኣትዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣሙዳት ናብ ዝተባህለ ዞባ ኣጥቂዑ ከምዘሎ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ዕስለ ኣንበጣ ከውርዶ ዝኽእል ሓደጋ ንምክልኻል፣ ናይ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ዶላር ህጹጽ ባጀት ተዳልዩ ከምዘሎ እቲ ቤት ጽሕፈት ገሊጹ።

መንግስቲ ድሮ ኣብ ምንጻግ ጸረ ኣንበጣ ዝዋፈሩ ሰብ ሞያ ናብቲ ዞባ ልኢኹ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ምስ ኬንያ ብሓባር ብነፈርቲ ጸረ ኣንበጣ ናይ ምንጻግ መስርሕ ንምውዳድ ዘተ ተጀሚሩ ከምዘሎ ኣረጋጊጹ።

ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ሓያሎ ከባቢታት ኤርትራን ኢትይጵያን’ውን ደጊሙ ክርአ ከምዝኽእል ውድብ መግብ ሕርሻን ሰሙናዊ ዝዝርግሖ ዘሎ መዘኻኸሪ የጠንቅቕ።

እቲ ውድብ፣ በዚ ኣስታት ሰለስተ ወርሑ ኣቝጺሩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ተወሳኺ ዕንወት ከየብጽሕን ንዝተሃስዩ ሓረስቶት ንምሕጋዝ ዝውዕልን ኣስታት 70 ሚልዮን ዶላር ሓገዝ ካብ ለገስቲ ሓቲቱ ኣሎ።

ሶማልን ፓኪስታንን ብሰንኪ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ህጹጽ ሃገራዊ ሓደጋ ምእዋጀን ይፍለጥ።

==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0