ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኤርትራ ክርአ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ቀሪቡ

Radio Erena: 20 December 2019

 

ካብ ዝሓለፈ ክልተ ኣዋርሕ ኣትሒዙ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ካብ ሃገራት ናብ ሃገራት እናሳገመ፣ ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣቱ ሰሙናት ኣቑጺሩ ኣሎ።

ኣንጸላልዩ ዘሎ ሓደጋ እዚ ዕስለ ኣንበጣ ገና ከምዘይተኣልየ መዓልታዊ ስእላዊ ሓበሬታን መግለጽን ዝዝርግሕ ዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻን (FAO)፣ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝጸፈየ ኣንበጣ ዝመጽእ ሰሙን ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ኤርትራ ከስፋሕፍሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

እቲ ምስፍሕፋሕ ክሳብ ሱዳንንን ግብጽን ክዝርጋሕ ከምዝኽእል’ውን ኣሚቱ።

ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተራእዩ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ፣ ብዝያዳ ጉድኣት ዘብጽሓላ ሃገር ኢትዮጵያ ኮይና፣ ኣብዚ ክልተ ወርሒ፣ ኣብ 420 ትርብዒት ኪሎሜተር ዝርከብ ልሙዕ መሬታ ብምስፍሕፋሕ ኣስታት 1.3 ሜትሪክ ቶን ዝግመት ሓምላይ ቃቒጡ።

ብፍላይ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፣ ኣብ ዘራእቲ ጉድኣት ከምዘብጽሐ’ውን FAO ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ኣስታት 120 ትርብዒት ኪሎሜርተር ልሙዕ መሬት፣ ብነፈርቲ ጸረ ኣጋርን ጸረ ኣንበጣ መድሃኒት ከምዝተነጽገ’ውን ኣፍሊጡ።

ዕስለ ኣንበጣ ኣንጸላልዩወን ዘሎ ጎረባብቲ ሃገራት፣ ቅልጡፍ ሓበሬታ ኣብ ምልልዋጥ፣ ከምኡ መድሃኒት ንምንጻግ ቅድመ ምድላዋት ክገብራን እቲ እቲ ውድብ ተማሕጺኑ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ንዝርአ ዘሎ ወራር ዕስለ ኣንበጣ ምድረ በዳ ንምጥፋእ፣ ሓረስቶት፣ ሰራዊትን ህዝብን ብሓበራ ይወፍር ከምዘሎ ንሚኒስትሪ ሕርሻ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ኤርትራ ይገልጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0