‘ኵናት ትግራይ ብዲፕሎማሲን ፖለቲካን ንምፍታሕ ዝልዓለ ዕድል ከምዘሎ ኦባሳንጆ ገሊጹለይ ።’ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት

Radio Erena: 20 January 2022

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ን14 ኣዋርሕ ዝቐጸለ ኵናት፣ ብሰላም ንምፍትሑ ዝጭበጥ ጻዕርታት ይካየድ ምህላዉ፣ ዘሕጉስ’ዩ ክብል ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረሽ ገሊጹ።

እቲ ዋና ጸሓፊ፣ ምስቲ ዝሓለፈ ቅንያት ናብ መቐለ በጺሑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተመልሰ፣ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆ፣ ናይ ቴልፎን ዝርርብ ድሕሪ ምክያዱ’ዩ ነዚ መግለጺ ብ19 ጥሪ ኣውጺኡ።

ኵናት ትግራይ ብዲፕሎማሲን ፖለቲካን ንምፍታሕ ዝልዓለ ዕድል ከምዘሎ ኦባሳንጆ ከምዝገለጸሉ ኣንቶንዮ ጉተረሽ ብተወሳኺ ኣስሚርሉ።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ተጀሚሩ ንዘሎ ናይ ሰላም ጻዕሪ፣ ከምዝድግፍ ዝጠቐሰ ኣንቶንዮ ጉተረሽሽ፣ ሕቡራት ሃገራት ክትሓጋገዝ ቅሩብ ምዃኑ ኣገንዚቡ።

ብዛዕባ’ዚ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ኦሉሶጉን ኦባሳንጆን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣንቶንዮ ጉተረሽን ተሰፋ ኣንቢሮምሉ ዘለዉ ተኽእሎ ሰላም ብዝምልከት፣ ካብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ይኹን ሓይልታት ትግራይ ዝተዋህበ ወግዓዊ መግለጺ የለን።

ብኣንጻሩ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብነፈርቲ ውግእን ድሮንን፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ትግራይ ደብዳብ ይቕጽል ከምዘሎ፣ ሓይልታት ትግራይ ይኸሱ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0