ኮንጎ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ

ኮንጎ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተመሪጹ

Radio Erena: 11 January 2019

ኣብ ዴሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፣ ኣብ ዝተኻየደ ኣካራኻሪ ምርጫ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ተዓዊቱ።

ካብ ተቓዋሚ ሰልፊ ዝኾነ፣ ሓድሽ ፕረዚደንት ኮንጎ ኮይኑ ዝተዓተወ ፈሊክስ ሸስኪዲ፣ ካብ ስልጣኑ ንዝተፋነወ ፕረዚደንት ጆሴፍ ካቢላ ዘለዎ ኣኽብሮት ገሊጹ።

ድሕሪ ቅትለት ኣቡኡ ፕረዚደንት ነበር ሎረን ካቢላ፣ ኣብ 2001 ስልጣን ዝተረከብ ጆሴፍ ካቢላ፣ ድሕሪ ናይ 18 ዓመታት መሪሕነት’ዩ፣ ስልጣኑ ብምርጫ ንዝተዓወተ ዜጋ እታ ሃገር ዘረክብ ዘሎ።

ንሱ፣ ኣስታት 18 ሚልዮን ህዝቢ ድምጹ ኣብ ዝሃበሉ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር 38. 5 ናይ ደገፍ ድምጺ ብምርካብ ከምዝተዓወተ ኮሚሽን ምርጫ እታ ሃገር ትማሊ ሓሙስ 10 ጥሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረጋጊጹ።

ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ስልጣን ብዴሞክራስያዊ ኣገባብ ንዝተመርጸ ዜጋ ብሰለማዊ መንገዲ ናይ ምስግጋር መስርሕ ልሙድ ኮይኑ ኣይጸንሐን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ዓመታት ግና፣ ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ሰለማዊን ዴሞክራስያውን ምስግጋር ስልጣን ተራእዩ’ዩ።

ብባህርያዊ ጸጋታት ሃብታም ኣብ ዝኾነት ኮንጎ’ውን፣ ፈሊክስ ሸስኪዲ ካብ ጎነጽ ወጻኢ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ ናይ መጀምርያ መራሒ ክኸውን’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0