”ኮሮና ቫይረስ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንምድኻም፣ ብምዕቡላት ሃገራት ዝተማህዘ’ዩ”፤ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ

Radio Erena: 10 May 2020

President of Ugandaፕረዚደንት ዩጋንዳ ዮወሪ ሙሰቨኒ፣ ምዕቡላት ሃገራት ንኣፍሪቃ ኣለቂሐናኣ ዘለዋ ዕዳ ምሉእ ብምሉእ ክስርዛ ጸዊዑ።
ማዕከን ዜና ቴለግራፍ ኣብ ዘመሓላለፎ ሓበሬታ፣ ፕረዚደንት ሙሰቨኒ፣ ኮሮና ቫይረስ ንሃገራት ኣፍሪቃ ንምድኻም፣ ብምዕቡላት ሃገራት ዝተማህዘ’ዩ ክብል ከምዝኸሰሰ እውን ኣፍሊጡ።
ይኹን እምበር ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዘለወን ከፊላዊ ዕዳ፣ ወይ ከኣ ወለድ ክስርዛ ስለዝጸንሓ፣ መደረኡ ናብ ቻይና ዝቐንዐ ክሲ ምዃኑ ተንተንቲ የመልክቱ።
ከምዝፍለጥ ቻይና ልዕሊ ሓደ ሲሶ ካብ ዕዳታት ኣፍሪቃ ትውንን ክነሳ፣ ዛጊት ምልክት ምስራዝ ዕዳ ኣየርኣየትን።
ብኻልእ ወገን፣ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ብሰንኪ መኸተ ኮሮና ቫይረስ ንዝተሃስየ ቁጠባ ዩጋንዳ ንምሕዋይ ናይ 491.5 ሚልዮን ዶላር ለቓሕ ፈቒዱ።
ብሰኪ’ዚ ለበዳ ቫይረስ፣ ጽላት ቱሪዝም ዩጋንዳ ብከቢድ ከምዝተሃስየ እዩ ዝፍለጥ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0