ኮሮናቫይረስ ዛጊት ኣብ 26 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ተገሊጹ

Radio Erena: 16 March 2020

ምስፍሕፋሕ ሕማም ኮረና ቫይረስ ብደረጃ ዓለም ኣሻቃሊ ኮይኑሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብተን 26 ምልክታት እቲ ሕማም ከምዝተራእየ ተረጋጊጹ።

እቲ ሕማም ጎረባብቲ ኤርትራ ኣብ ዝኾና ኢትዮጵያን ሱዳንን’ን ተርእዩ ከምዘሎ እዘን ሃገራት በብወገንን ኣፍሊጠን ኣለዋ።

ብዝሒ ናይቲ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝተራእየ ግዳያት ኮሮኒቫይረስ ብንጹር እኳ ክፍለጥ እንተዘይክኣላ፣ እቲ ቁጽሪ ናብ ካብ ኣማኢት ናብ ኣሽሓት ይሰጋገር ከምዘሎ ዝተፈላለዩ ወገናት የረድኡ።

ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ከም ምስራዝ ናይ ወጻኢ በረራታት፣ ምውሻብ ካብተን እዚ ቫይረስ ዝተራእየለን ሃገራት ዝመጹ ገያሾን ብዝሒ ምእካብ ሰባት፣ ምዕጻው ኣብያተ ትምህርትን ዝኣመሰል ምድላዋት ክግበራ እንከለዋ፣ ንህጹጽ ሓደጋ ዘገልግል ማእከላት ሕክምናን ሆስፒታላትን ኣብ ምድላው ግና ዛሕልታት የርእያ ምህላወ ይግለጽ።

ኣስታት 1.3 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ኣብ ዘለዋ ኣህጉር ኣፍሪቃ፣ ዘይምዕሩይ ዝርግሐ ኣገልግሎታት ጥዕናን ስለዘሎ፣ ምስፍሕፋሕ እቲ ሕማም ናብዛ ኣህጉር እንተኣትዩ ከቢድ ሓደጋ ከየብጽሕ ውድብ ጥዕና ዓለም መሻርኽቲን ብዝቐልጠፈ ክተሓጋገዙ’ውን ካብ ዝተፈላለዩ ወገናት ጻውዒት ይቐርብ ኣሎ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0