ኮርፐረሽን ኤሌክትሪክ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ንዝነብርሉ ኣባይቲ፣ ዝወሃብ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከቋርጾ ምዃኑ ይገልጽ

Radio Erena: 03 February 2017

Petah Tikva

ኮርፐረሽን ኤሌክትሪክ እስራኤል፣ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብብዝሒ ንዝነብርሉ ኣባይቲ፣ ከባቢ ፔታህ ቲክቫ ናይ ከተማ ቴልኣቪቭ ፣ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምሃብ ከቋርጽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮርፐረሽን ናብዚ ውሳኔ ዝበጽሐ፣ ከንቲባ እታ ከተማ ይስሓቕ ብራቨርማን ብዘቕረቦ ሕቶ መሰረት ምዃኑ፣ ቴሌቪዥን ቻነል 10 ኣብ ናይ ሰሉስ ፈነወኣ ሓቢራ።

እስራኤላውያን ነጋዶ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ህንጻታት እናገዝኡ፣ ኣብ ንኣሽቱ ክፍልታት እናመቓቐሉ፣ ንዘይሕጋውያን ስደተኛታት የካርይዎም ኣለዉ ክብል ዘማረረ እቲ ከንቲባ፣ ናይ ኤሌክትሪክ ኣገልግሎት ብምቁራጽ፣ ኣብታ ከተማ ንዝነብሩ ብዝሒ ስደተኛታት ንምጉዳሉ ክሕግዝ ከምዝኽእል ይጠቅስ።

“ናይ ግዜ ገደብ ካብ ዘይብሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምህዳም፣ ንኤርትራውያን ፖለቲካዊ ዑቕባ ከውህቦም ኣይክእልን’ዩ፣ ክብል ቤት ፍርዲ እስራኤል ዝሓለፈ ሰሙን ውሳኔ ምሕላፉ ይዝከር።

ኣብ እስራኤል፣ ክፉት ቤት ማእሰርቲ እናተባህለ ኣብ ዝግለጽ ኾሎት ተኣሲሮም ዝርከቡ ኤርትራውያን፣ መንግስቲ እስራኤል ኣብ ልዕሊኦም ዝኽተሎ ዘሎ ፖሊሲ ንምቅዋምን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ድማ ንጉዳይ ኤርትራውያን ብዕቱብ ስለ ዘይተገንዘቦ፡ ኣብ ብይኑ ንመንግስቲ እስራኤል ዝሕግዝ ውሳኔታት ከሕልፍ ብምጽንሑን ብሓሙስ 26 ጥሪ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም’ዮም።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0