ኮርፐረሽን ሓጺንን ምህንድስናን ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ዝነበሮ ውዕል ከምዘይተሰረዘ ተገሊጹ

ኮርፐረሽን ሓጺንን ምህንድስናን ኢትዮጵያ ኣብ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ዝነበሮ ውዕል ከምዘይተሰረዘ ተገሊጹ

Radio Erena: 30 August 2018

 ethio damቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፣ ኮርፐረሽን ሓጺንን ምህንድስናን እታ ሃገር ኣብ ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ንዝነበሮ ውዕል ሰሪዙዎ ተባሂሉ ዝተዘርግሐ ዜና ሓቅነት ከምዘይብሉ ኣካየድቲ ናይቲ ፕሮጀክት ንሪፖርተር ሓቢሮም።

ማዕከናት ዜና ግብጺ ኣቐዲመን ብዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ውዕል ከምዝተሰረዘን ፕሮጀክት ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ደው ከምዝበለን’ዩ።

እተን ማዕከናት ዜና ነዚ ዝገለጻ፣ ብሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሳምሕ ሹክሪን ላዕለዋይ ሓላፊ ጸጥታ ጀነራል ዓባስ ከማልን ዝምራሕ ልኡኽ መንግስቲ ግብጺ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተራኺቡ ድሕሪ ምምይያጡ’የን።

ዲጋ ተሃድሶ ኣብ ሓሙሽተ ዓመታት ክዛዘም እኳ እንተነበሮ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተደናጉዩ ከምዘሎ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

ሓደ ካብቲ ዝግለጽ ጠንቅታት እቲ ብወትሃደራውያን ኣዘዝቲ ዝምራሕ ሃገራዊ ኮርፐረሽን ሓጺንን ምህንድስናን ነቲ ፕሮጀክት ብቑዕ ዘይምዃኑ’ዩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ተራእዪ ብዘሎ ፖለቲካዊን ጸጥታውን ዘይርግኡነት፣ ነቲ ናይ 4 ቢልዮን ዶላር ፕሮጀክት ምህናጽ ዲጋ ተሃድሶ ተሰናኺሉ ከምዘሎ’ዩ ክግለጽ ቀንዩ።

እዚ ድማ ነታ፣ ንምህናጹ ንሓያሎ ዓመታት ክትቃወም ዝጸንሐት ግብጺ ዝዓበየ ብስራት ኮይኑዋ ምህላዉ ተንተንቲ ፖለቲካ የረድኡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፣ ሰራሕተኛታት ናይቲ ዲጋ፣ ደሞዞም ክውስኽን ናይ ስራሕን መነባብሮን ምምሕያሽ ክግበረሎምን ብምጥላብ፣ ስራሕ ደው ናይ ምባል ኣድማ የካይዱ ከምዘለው ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ካብ ናይ ኢትዮጵያ ዜና ከይወጻእና ኣብ ክልላት ሶማልን ኦሮሞን ጸጸኒሑ ብዝጎሃሃር ዘሎ ግጭታት ልዕሊ 10 ሰባት ከምዝተቐትሉ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ገሊጸን።

ዕጡቓት ኦሮሞ ብዝኸፈትዎ ቶዅሲ፣ ተወላዶ ክልል ሶማል ከምዝሞቱ’ዩ እቲ ዝዝርጋሕ ዘሎ ሓበሬታታት ዝጠቕስ።

===================== 

ርእይቶ

WORDPRESS: 0