ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ ልዕሊ 43 ሃገራት ኣፍሪቃ ተራእዩ

Radio Erena: 23 March 2020

ኮረና ቫይረስ፣ ኣብ 43 ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዝተራእየ ውድብ ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ።

እቲ ውድብ ብ23 መጋቢት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፣ ኣብዘን ሃገራት፣ ምልክታት ዝተራእዮም ናይ ዝተራእዮም ሰባት ብዝሒ 1396 ከምዝበጽሐ ጠቒሱ።

ብዘይካ’ዚ ኣብ ዚምባብዌን ናይጀርያን ብሰንኪ ኮረና ቫይረስ ክልተ ሰባት ከምዝሞቱ ተሓቢሩ።

ኣብ ናይጀርያ፣ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ ወዲ 67 ዓመት ኣቦ ክኸውን እንከሎ፣ ኣብ ዚምባብዌ ግና ወዲ 30 ዓመት መንእሰይ’ዩ።

ብፍላይ ኣብ ዚምባብዌ ዝሞተ ወዲ 30 ዓመት ጋዜጠኛ፣ ነቲ ኮረና ቫይረስ ንቆልዑን መንእሰያትን ኣየጥቕዕን’ዩ ዝብል ብሓያሎ ወገናት ክቐርብ ዝጸንሐ ስነ- መጎት ኣፍሪስዎ ኣሎ።

ኮሮኖ ቫይረስ ብዝያዳ ዕድመ ንዝደፍኡን ናይ ጥዕና ጸገም ንዝጸንሖም ብዝያዳ ናብ ሞት ዘብጽሕ እኳ እንተኾነ፣ ኩሉ ሰብ ብማዕረ በቲ ቫይረስ ክጥቃዕ ከምዝኽእል’ዮም ክኢላታት ሕክምና ዘጠንቅቑ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0