ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልን ክዝቲ’ዩ

Radio Erena: 16 May 2017

UNSC San com

ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኤርትራን ሶማልን ክዝቲ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚተ ኣብቲ ጽባሕ ሮቡዕ 17 ግንቦት ኣብ ሰዓታት ቅድሚ ቀትሪ ዘካይዶ ዘተ፣ ብዛዕባ’ቲ ኤርትራ ካብ ሰሜን ኮርያ ዝሸመተቶ እሞ ኣብ ጉዕዞ እንከሎ ተታሒዙ ዝተባህለ ወትሃደራዊ ሬድዮ ርክባት ብምልዓል ክካትዓሉ’ዩ።

ብባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ክልተ እዋን እገዳ ዝተነብራላ ኤርትራ፣ ድሕሪ’ዚ ምስ ካብ ሰሜን ኮርያ ወትሃደራዊ ንዋት ንምሽማት ዘካየደቶ ፈተነ ከኣ ብኣመሪካ ሳልሳይ እገዳ ተነቢሩላ ይርከብ።

ኣቦ መንበር እገዳ ባይቶ ጸጥታ ኤርትራን ሶማልን ካይራት ኡማሮቭ፣ ብዛዕባ’ዚ ሓድሽ ክስተትን ኣቐዲሙ ምስ ዕጡቓት ሶማል ኣሎ ዝብሃል ርክባትን ንምዝርራብ ናብ ኤርትራ ከምርሕ ተኽእሎ ከምዘሎ ቅድሚ ሓደ ወርሒ፣ ኣብ 13 ሚያዝያ ኣብ ዝተኻየደ ተመሳሳሊ ዘተ ምግላጹ ይዝከር።

ኣብቲ እዋን’ቲ፣ ካዛኪስታናዊ ዲፕሎማሰኛ ካይራት ኡማሮቭ ንናይ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ጸብጻብ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ሕቡራት ሃገራት ብምጥቃስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ኤርትራን ኣልሸባብን ዘተኣሳስር መርትዖ ከምዘይተረኽበ እኳ እንተጠቐሰ፣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ክፍጽም ከምዝደሊ”ዩ ሓቢሩ።

ወከልቲ ሓያሎ ሃገራት፣ እቲ ኣቦ መንበር ኮሚተ ናብ ኤርትራ ክበጽሕ ዘቕረቦ ሓሳብ ክድግፋ እንከለዋ፣ ገሊኤን ድማ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ይኹን ኮሚተ እገዳ ባይቶ ጸጥታ ከይተሓባበር ምሕንጋዱ፣ ነቲ መስርሕ ይሓላልኾ ከምዘሎ ኣገንዚበን።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0