ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንምርጫ ኬንያ ዝከታተል ተዓዛቢ ጉጅለ ክልእኽዩ

Radio Erena: 01 July 2022

ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ንዕለት 9 ነሓሰ ኣብ ዝጅምር ሓፈሻዊ ምርጫ ኬንያ፣ ተዓዛቢ ጉጅለ ክልእኽ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ንምዕዛብ፣ ሸሞንተ ዝኣባላታ ጉጅለ ኣቚሙ ምህላዉ ሓቢሩ።

ሓደ ሰሙን ምርጫ ቅድሚ ምጅማሩ ናብ ኬንያ ክትኣቱ ትጽቢት ዝግበረላ እታ ተዓዛቢት ጉጅለ፣ መድመጺ ነቑጣታት ብምክትታልን፣ ነቲ መስርሕ ብምዕዛብን፣ ምርጫ ናጻን ርትዓዊን ምዃኑ ንምርግጋጽ፣ ከም ቀንዲ ዕላማኣ ገይራ ምህላዋ ሕብረት ኣፍሪቃ ይገልጽ።

ኣቐድም ኣቢሉ፣ ሓባራዊ ዕዳጋ ንምብራቕን ደቡብን ኣፍሪቃ (COMESA) ዝርከቦም ዞባውያን ምትእኽኻባት፣ ኣብ ሕጹያት ተወዳደርቲ፣ ርትዓዊን ሚዛናዊን ዕድላት ጎስጓስ ከምዝተዋህቦም ንምርግጋጽ፣ ከምኡ’ውን ኣብ ህዝቢ ምንዕዓብ ዘለዓዕል መደረታት ከይህቡ ንምክትታል፣ ዝከታተሉ ልኡኻት ኣዋፊረን እየን።

ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ፣ ካብ ኣብ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ዝያዳ፣ ኣብ ዓሌት ዝተሰረተ ስለዝኾነ፣ ኣብ ህዝቢ ብዝፍጠር ምግርጫው፣ ህይወት ኣማኢት ሰባት እዩ ዘጥፍእ።

ቀንዲ ሕጹያት ተወዳደርቲ፣ ንክዋንዛ ፓርቲ ዝወከለ ምኽትል ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ንኣዚምዮ ላ ኡሞያ ዝወከለ ከኣ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ራይላ ኦዲንጋ እዮም።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0