ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ናይ ፖለቲካል ሳይንስን ኢንተርናሽናል ሪሌሽንስን ዲፓርትመንታት ክዓጹ እዩ

Radio Erena: 09 July 2019

ስርዓተ ትምህርቲ ኤርትራ ብከቢድ ተሃስዩሉ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ኮሌጅ ዓዲ ቀይሕ ገለ ዲፓርትመንታት ክዓጹ ምዃኑ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
እዘን ከም ፖለቲካል ሳይንስን፣ ኢንተርናሽናል ሪሌሽንስን፣ ዝኣመሰሉ ዲፓርትመንታት ክዕጸዉሉ ዝተመደበሉ ምኽንያት ንተመሃሮ ብወግዒ እኳ እንተዘይተነግረ፣ ሓደስቲ ተመሃሮ ምቕባል ግና ደው ኣቢሎም ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ራብዓይ ዓመት ተመሃሮ ጥራይ ሒዙ ተሪፉ ዘሎ ናይ ጆርናሊዝም ዲፓርትመንት እውን ሒዙዎም ዘሎ ተመሃሮ ምስ ኣመረቐ ደው ክብል መደብ ወጺዎ ከምዘሎ ምንጭታትና ብተወሳኺ ኣመልኪቶም።
እዚ ብላዕለዋይ ቦርድ ከምዝተወሰነ ዝንገረሉ ዘሎ ውሳኔ፣ ኣብ መጀመሪያ ዓመት ዝወሃብ ሓፈሻዊ መእተዊ ናይ ፖለቲካል ሳይንስን ኢንተርናሽናል ሪሌሽንስን ማለት 101 ኮርሳት እውን ካብ ዝመጽእ ዘሎ ዓመተ ትምህርቲ ደው ክብል ከምዝወሰነ ተፈሊጡ።
ኣብ ውሽጥን ወጻኢን ብዝርከቡ ኤርትራውያን እናተጎሃሃረ ዝመጽእ ዘሎ ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃዋሁ፣ ብፍላይ ኣብ ተመሃሮ ከቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩ ብምህላዉ፣ መንእሰያት መሰረታዊ ኣፍልጦ ፖለቲካን ኣህጉራዊ ርክባትን ከየዋህልሉ፣ ኮነ ኢልካ ዝተገብረ’ዩ ክብሉ ነዚ ሓበሬታ ዝለኣኹ ምንጭታት የመልክቱ።

COMMENTS

WORDPRESS: 2
  • comment-avatar

    fokiskum afkiskumuna zeyele were eda swa endamtsakum hasikum teheswuna alekum

  • comment-avatar
    Kibrom 5 years ago

    ኣብ ድያስፎራ ዘለና እኮ ብኣፍና ክሕዘና ዘይሓፈረ ስርዓት ኣብ ዉሽጢ ሃገር ዝሎ ምሉካት ኣይርጸግሞን ኢዩ።