ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ስሩዕ ወትሃደራዊ ታዕሊል ክወስዱ ትእዛዝ ምሕላፉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሻቕሎት ፈጢሩ

ክሳብ 50 ዓመት ዝዕድሚኦም ኣቦታት ስሩዕ ወትሃደራዊ ታዕሊል ክወስዱ ትእዛዝ ምሕላፉ ኣብ ህዝቢ ኤርትራ ሻቕሎት ፈጢሩ

Radio Erena: 10 October, 2014

Abotat

መንግስቲ ኤርትራ ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ብረት ንዘዕጠቖም ክሳብ 50 ዝዕድሚኦም ኤርትራውያን ኣቦታት ናብ ታዕሊም ክወስዱ ዘሕለፎ ትእዛዝ ኣብ ህዝቢ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ።

እቶም ኣብ ከከባቢኦም ሓጺር ታዕሊም ዝወሰዱን፣ ብስም ህዝባዊ ሰራዊት ብረት ዝዓጠቑን ኣቦታት፣ ኣቐዲሞም ብምምሕዳራት እናተወደቡ ናብ ዞባ ደቡብ ዲጋ ገርገራን ካልእን ዝኣምሰለ ማእቶት ክወርዱ ዝጸንሑ እኳ እንተኾነ፣ እዚ ሕጂ ብመልክዕ ትእዛዝ ቀሪቡ ዘሎ ኩሎም ናብ ታዕሊም ክወርዱ ዝብል ሓበሬታ ግና ህዝቢ ተኽእሎ ኵናት ምስ ምህላዎም ብምዝማድ ሻቕሎቱ ይገልጽ ምህላዉ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።

 

ኤርትራን ኢትዮጵያን ዳግም ኵናት ናይ ምውላዕ ዘለወን ተኽእሎ ውሑድ ምዃኑ ተንተንቲ ዝገልጽዎ እኳ እንተኾነ፣ መንግስቲ ኤርትራ ብዘርእቶ ዘሎ ቀጻሊ ምቅይያር ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት፣ ምዕጣቕ ኣረጋውያንን፣ ብረት ምዕዳል ንሰራሕተኛታት መንግስትን ሕጂ ከኣ ኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ስሩዕ ታዕሊም ክወስዱ ምእዛዙ፣ ንህዝባዊ ኤርትራ ሻቕሎት ክፈጥረሉ ግድን ምዃኑ’ውን እቶም ነቲ ሓበሬታ ዝልኣኹልና ምንጭታት ኣረጋጊጾም።

======================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0