ክልተ ገጠራት ኤርትራ፣ 40 ሽሕ ሰባት ተጠቐምቲ ዝገበረ፣ ፕሮጀክት ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ተዛዚሙ

ክልተ ገጠራት ኤርትራ፣ 40 ሽሕ ሰባት ተጠቐምቲ ዝገበረ፣ ፕሮጀክት ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ተዛዚሙ

ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከባ ክልተ ገጠራት ኤርትራ፣ ልዕሊ 40 ሽሕ ነበርትን ሰብ ዋኒን ተጠቐምቲ ዝገበረ፣ ፕሮጅከት ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ከምዝተዛዘመ፣ ነቲ መደብ ዝመርሐ ኩባንያ ሶላርሰንቹሪ (Solarcentury) ኣፍሊጡ።

እቲ፣ ኣብ ዓረዛ፣ 1.25 ሜጋዋት፣ ኣብ ማይ-ድማ ድማ 1 ሜጋዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎ እቲ ፕሮጀክት ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ሸሞንተ ኣዋርሕ’ዩ ወሲዱ።

ኣቐዲመን ብነዳዲ ካብ ዝሰርሓ ጀነሬተራት፣ ከፊላዊ ኣገልግሎት መብራህቲ ክረኽባ ዝጸንሓ እዘን ዓድታት፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ን24 ሰዓታት ኣብ ሰሙን ብዘይምቁራጽ ኣገልግሎት ክረኽባ በቒዐን ኣለዋ።

ብዘይካ’ዚ፣ እቲ ኩባንያ፣ ነቲ ኣብ ምክትታልን ጽገናን እቲ ጸሓያዊ ጸዓት ዝዋፈሩ ኤርትራውያን ክኢላታት ብምስልጣን፣ ንስራሕ ድሉ ጌርዎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ምዝርጋሕ ጸሓያዊ ጸዓት ኣብ ገጠራት ኤርትራ፣ ኣካል ናይቲ ብሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን ዝተመወለ ናይ ልምዓት መደባት’ዩ።

ብዘይካ’ዘን ኣብ ዞባ ደቡብ ኣገልግሎት ረኺበን ዘለዋ ክልተ ዓድታት፣ ኣብ ኩለን ዞባታት ኤርትራ’ውን ድሮ ምትካል ጸሓያዊ ጸዓት ዝጀመራን መጽናዕቲ ዝተኻየደለንን ዓድታት ከምዘለዋ፣ በብእዋኑ ክግለጽ ጸኒሑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0