ኬንያ: ኣርባዕተ መደበራት ቴሌቪዥን ፈነወ ንኸየካዪዳ ብመንግስቲ ተኣጊደን

ኬንያ: ኣርባዕተ መደበራት ቴሌቪዥን ፈነወ ንኸየካዪዳ ብመንግስቲ ተኣጊደን

Radio Erena: 04 February 2018

odinga swornባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ኬንያ ኣርባዕተ መደበራት ቴሌቪዥን ፈነወ ንኸየካዪዳ ብመንግስቲ ምእጋደን ከምዘተሓሳሰቦ ገሊጹ።

እቲ ባይቶ ጀኔቫ ካብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ እተን ናይ ብሕቲ መደበራት ተሌቪዥን፣ ንሓሙሻይ መዓልተን ካብ ፈነወ ምእጋደን፣ ንመሰልን ናጽነትን ሓሳብካ ምግላጽ ዝጥሕስ’ዩ ክብል ነቒፉ።

ኣብ ዝሓለፈ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኬንያ ምጥፍፋእ ኔሩዎ ክብል ነቲ መስርሕ ምርጫ ዝተሓሰሞ ሕጹይ ተወዳዳሪ ነበር ራይላ ኦዲንጋ፣ ብሰሉስ 30 ጥሪ ንደገፍቱ ኣኪቡ ‘ናይ ህዝቢ ፕረዚደንት’ ብዝብል ናይ ሓሶት ቃለ መሓላ ኣብ ዝፈጸመሉ እዋን፣ እተን መደበራት ተሌቪዥን ነቲ ፍጻሜ ከየመሓላልፎኦ ካብ መንግስቲ መጠንቀቕታ ተዋሂቡወን ከምዝነበረ ይግለጽ።

እንተኾነ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ናይ ሓሶት ፕረዚደንታዊ ቃለ መሓላ ንምዕዛብ ኣብ ዝተኣከቡሉ፣ እተን ናይ ብሕቲ መደበራት ቴለቪዥን ነቲ ስነስርዓት ሸፈነ ብምሃበን መንግስቲ ኬንያ ስጉምቲ ከምዝወሰደለን’ዩ ዝግለጽ።

ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፣ እተን መደበራት ቴለቪዥን ብቕጽበት ፈነወአን ክጅምራ ክጽውዕ እንከሎ፣ ነቲ ናይ ምእጋድ ትእዛዝ ዘመሓላለፉ ሰበስልጣን መንግስቲ ከኣ ብዛዕባ’ቲ ጉዳይ መብርሂ ንኽህቡ ንዕለት 14 ለካቲት ጸዊዑ’ሎ።

ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ኬንያ፣ እተን መደበራት ተሌቪዥን ጸጥታ ሃገር ብምጥሓሰን መርመራ ክሳብ ዝግበረለን ተዓጽየን ክጸንሓ’ዩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ኣመሪካ፣ ራይላ ኦዲንጋ ንዝገበሮ ናይ ሓሶት ቃለ መሓላን፣ መንግስቲ ዝወሰዶ ምዕጻው ናይ ብሕቲ መደበራት ተሌቪዥንን ድሕሪ ምኹናን፣ ኩሎም ወገናት ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ፖለቲካዊ ወጥሪ ከህድእዎ ይጽውዕ።

ሕብረት ኤውሮጳ ብወገኑ ተመሳሳሊ መግለጺ ድሕሪ ምሃብ፣ ተበዲለ ዝብል ወገን፣ ጥርዓኑ ናብ ቤት ፍርዲ ብምቕራብ ግቡእን ሕጋውን መፍትሒ ክረኽበሉ ክጽዕር ይግባእ ክብል ንክልቲኦም ወገናት ጸዊዑ።

========================= 

COMMENTS

WORDPRESS: 0