ኬንያ፣ 9 ነሓሰ ዝካየድ ምርጫ ግጭት ከየጎሃህር ተሰጊኡ

Radio Erena: 29 July 2022

ኣብ ኬንያ፣ ኣብ 9 ነሓሰ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ሃገራዊ ምርጫ ናዕቢን ዕግርግር ከየለዓዕል ተሰጊኡ ከምዘሎ ኣብ ናይሮቢ ዝመደበረን ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ትካላት የጠንቅቓ።

ንኬንያ ን10 ዓመታት ዝመርሐ ፕረዚደንት ኡሁሪ ኬንያታ ንምትካእ፣ ጎሊሖም ዝርኣዩ፣ ኣርባዕተ ሕጹያት ተወዳርቲ ንምርጫ ቀሪቦም ኣለዉ።

ካብዞም ኣርባዕተ ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ዘለዎም፣ ምክትል ፕረዚደንት ዘሎ ዊልያም ሩቶን ናይ ነዊሕ እዋን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ፣ ራይላ ኦዲንጋን ምዃኖም ተንተንቲ ይእምቱ።

ምርጫ ኬንያ፣ ንነዊሕ እዋን ብቀቢላን ብሄርን ዝተዓብለለን ብብልሽውና ዝተገዝአን እኳ እንተነበረ፣ እዚ ኣብዚ ዝመጽእ 10 መዓልታት ዝካየድ ካብዚ ክፍለ ተኽእሎ ከምዘሎ እቶም ተንተንቲ የረድኡ።

ይኹን’ምበር ሓደ ሓደ ቀቢላታትን ብሄራትን፣ ከምኡ ድማ ደገፍቲ ዘይተዓወታ ሰልፍታት ድሕሪ ምርጫ ናዕብን ዕግርግርን ከየጎሃህሩ ይስጋእ።

ልዕሊ 36 ሚልዮን ዝግመት ህዝቢ ኬንያ፣ ብውሕዱ ኣብ 40 ብሄራትን ቀቢላታትን ዝተኸፋፈለ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0