ኬንያ፣ ኣብ ወትሃደራዊ መዓስከር ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣመሪካውያን ተቐቲሎም

Radio Erena: 06 January 2020

ኣብ ኬንያ፣ ማዳባ ኣብ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከር፣ ኣብ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ሰለስተ ኣመሪካውያን ወትሃደራት ከምዝተቐትሉ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ።

እቲ ብ5 ጥሪ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሶማል ዝመደበሩ ሽበራዊ ጉጅለ ኣል ሸባብ፣ ሮኬታት ብምትኳስ ከምዝፈጸሞ እቲ ክፍሊ ወቒሱ።

ኣመሪካ ብወገና ከም ግብረ መልሲ፣ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት ኣልሸባብ ናይ ነፈርቲ ደብዳብ ኣካይዳ።

ኣልሸባብ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ከተማ ሞቛድሾ ኣብ ዘካየዶ መጥቃዕቲ፣ ልዕሊ 400 ሰባት ግዳያት ሞትን መቑሰልትን ጌርዎ’ዩ።

ክፍሊ ስለያ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፣ እቲ ሽበራዊ መጥቃዕቲ፣ ኢድ ናይ ካልእ ሃገር ዝተሓወሶ’ዩ ክብል ኣመልኪቱ።

እቲ ክፍሊ፣ ኣየነት ሃገር ምዃና እኳ እንተዘይጠቐሰ፣ ኣብ ቱርኪ እትሕተም ጋዜጣ ግና ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምዃና ኣስሚርሉ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ 10 ሚልዮን ዶላር ጥረ ገንዘብ ናብ ሶማል ከተእቱ ድሕሪ ምትሓዙ፣ መንግስቲ ሶማል ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ብዙሕ ጥርጣረታት ከምዘለዎ’ዮም ዝተፈላለዩ ተንተንቲ ዘረድኡ።

ኣብ ልዕሊ’ኡ፣ ሶማል ምስ ቀጠርን ቱርኪን ዘለዎ ዝምንድና ክትቅጽል ምውሳና፣ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዓረብ ከምዘየሐጎሰ ይግለጽ።

እዘን ሃገራት፣ ከም ግብረ መልሲ፣ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ሶማል ዝተፈላለየ ጸቕጥታት ክገብራ ይርኣያ’የን።
==============

COMMENTS

WORDPRESS: 0