ኬንያ፣ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ውሳኔ ንምሕላፍ ትዝቲ

ኬንያ፣ ናብታ ሃገር ዝኣትዉ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ውሳኔ ንምሕላፍ ትዝቲ

Radio Erena: 22 August, 2014

Kenya Sus VISA

መንግስቲ ኬንያ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዜጋታት ደቡብ ኣፍሪቃ ኣቐዲሞም መእተዊ ቪዛ ክሓቱ ዘገድድ ሓድሽ ውሳኔ ንምውጻእ ይዝትየሉ ኣሎ።

መንግስቲ ኬንያ ነዚ ንምውሳን ዝዝትየሉ ዘሎ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዜጋታት ኬንያ ጽኑዕ ናይ ቪዛ ምቁጽጻር ትገብ ብምህላዋ’ዩ።

ኬንያ፣ ናብታ ሃገር ንዝኣትዉ ዜጋታት ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ ብፍላይ ንዜጋታት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ መእተዊ ቪዛ ከምዘይትሓትት ዝፍለጥ’ዩ።

 

እንተኾነ ምስ ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ሶማል ኩነታት፣ ብዝተፈጥረ ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ፣ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ዝርከባ ሃገራት ናብ ኬንያ ንምእታው ቪዛ ዝሓቱ ዜጋታት ኤርትራ ጥራይ’ዮም።

========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0