ኬንያ፣ ምስ ሶማል ዘዋስና ዶብ ንምሕጻር ዝጀመረቶ መደብ ኣቋሪጻ

ኬንያ፣ ምስ ሶማል ዘዋስና ዶብ ንምሕጻር ዝጀመረቶ መደብ ኣቋሪጻ

Radio Erena: 10 April 2018

kenya

ኬንያ፣ ምስ ሶማል ዘዋስኖ፣ 700 ኪሎሜተር ዝዝርጋሕ ዶብ ንምሕጻር ዝጀመሮ መደብ ከም ዘቋረጾ መደበር ቴሌቪዥን ኣልጀዚራ ሓቢራ።

ሶማላዊ ጉጅለ ሽበራ ኣልሸባብ፣ዶብ ኬንያ እናሰገረ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ ድሕሪ ምክያዱ፣ መንግስቲ ኬንያ ቅድሚ ነቲ ዶባት ካብ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣትሒዙ ክሓጽሮ ከምዝወሰነ ይዝከር።

ተሃኒጹ ዘሎ ገለ ክፋል ሓጹር፣ ካብ ሓደጋታት ኣልሸባብ ተዛማዲ ዕረፍቲ ሂብዎም ከምዘሎ ነበርቲ ኣብ ዶባ ናይ እትርከብ ከተማ ማንዴራ ንኣልጀዚራ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ገሊጾም።

እንተኾነ፣ ካብ ኣልሸባብ ዝመጽእ ስግኣታት ዶባት ብምሕጻር ጥራይ ዘይኮነ ክፍታሕ ካልእ ፖለቲካውን ጸጥታውን ስጉምታት’ውን ከምዘድሊ ኣባላት ባይቶን ፖለቲከኛታትን ኬንያ ክዝትይሉ ጸኒሖም’ዮም።

መንግስቲ ኬንያ፣ ነቲ ሚልዮናት ዶላራት ከፍስሰሉ ዝጸንሐ ምህናጽ ሓጹር ደው ዘበለሉ ምኽንያት ወግዓዊ መግለጺ ኣይሃበሉን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0