ኬንያ፣ ምስ ሶማል ዘሰሓሕባ ጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይ፣ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝስምዓሉ ዕለት ክናዋሕ ሓቲታ

Radio Erena: 17 May 2020

ኬንያ፣ ምስ ሶማል ዘሰሓሕባ ጉዳይ ዋንነት ክሊ ማይ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ዝስምዓሉ ዕለት ክናዋሕ ሓቲታ።

እታ ሃገር ናብቲ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረበቶ ምሕጽንታ፣ እቲ ጉዳይ ዝስምዓሉ ዕለት፣ 8 ሰነ 2020፣ ናብ ካልእ እዋን ክሰጋግር ትሓትት ዘላ፣ ጠበቓታታ ብሰንኪ ለበዳ ኮረና ቫይረስ እኹል ምድላው ክገብሩ ብዘይምኽኣሎም’ያ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ሶማል፣ እቲ ቤት ፍርዲ፣ ብኬንያ ንዝቐረበ ምሕጽንታ ክነጽግ ዘለዎ እምነት ገሊጹ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ነቲ ጉዳይ ናብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ከይቀርብ ምትዕንቓፍ ክገብር ከምዝጸንሐ ብምዝኽኻር፣ ሕጂ ድማ ብግልባብ ኮረና ቫይረስ ንዘቕረቦ ናይ ምንዋሕ ምሕጽንታ ከምዘቅበሎ ኣፍሊጡ።

ኬንያን ሶማልን፣ ብዘይካ’ቲ ብዶባተን ዘለወን ጸጥታዊን ፖለትካውን ምስሕሓብ፣ ኣብ ገማግም ህንዳዊ ውቅያኖስ ኣብ ዝርከብ ኣስታት 100 ሽሕ ትርብዒት ኪሎሜተር ክሊ ማይ’ውን፣ ብዋንነቱ ኣብ ምውጣጥ ይርከባ።

============

COMMENTS

WORDPRESS: 0