ኬንያ፣ ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት፣ 18 ዕጡቓት ኣልሸባብ ምቕታላ ገሊጻ

Radio Erena: 01 February 2023

ሰራዊት ኬንያ፣ ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ጋሪሳ ኣብ ዘካየዶ ወፍሪ፣ ብውሕዱ 18 ዕጡቓት ኣልሸባብ ከምዝቐተለ ኣፍሊጡ።

ኣልሸባብ ናብ ዶባት ኬንያ ይንቀሳቐስ ምህላዉ፣ ድሕሪ ዝተረኽበ ሓበሬታ፣ ኣብ ተጠንቀቕ ከምዝጸንሑ ዝሓበረ ኣዛዚ ፖሊስ ዞባ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር፣ ጂዮርጅ ሰዳ፣ እቲ ስርሒት ብምውህሃድ ዝተፈላለዩ ኣካላት ጸጥታ ከምዝተኻየደ ኣረዲኡ።

ጋሮወ ኦንላይን ብዘቕረቦ ሓበሬታ መሰረት፣ እቲ ስርሒት፣ ዝሓለፈ ሰሙን፣ ደጋቦን ኣብ ዝተባህለት ቁሸት’ዩ ተኻይዱ።

ኣብቲ ስርሒት፣ ብርክት ዝበለ ጠበናጁን ሮኬታትን ከምዝማረኸ ሰራዊት ኬንያ ክገልጽ እንከሎ፣ ኣልሸባብ ብወገኑ ዝሃቦ መግለጺ የለን።

ምስ ሰራዊት መንግስቲ ኣብ ከቢድ ኵናት ዝርከብ ኣልሸባብ፣ ሒዝዎ ካብ ዝጸንሐ ሓያሎ ከባቢታት እናሰሓበ ናብ ከባቢ ዶባት ኬንያን ኢትዮጵያን ይንቀሳቐስ ምህላዉ ይግለጽ።

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ዊልያም ሩቶ፣ ኣቐዲሙ፣ ሓይልታት ጸጥታ እታ ሃገር ምስ ሶማል ኣብ ዘዳውብ ከባቢታት ኣብ ተጠንቀቕ ክጸንሑ ኣዚዙ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0