ኬንያ፡ መርከብ ህንዲ ኣባሪራ

Radio Erena: 24 December 2021

ሰብ መዚ ኬንያ ናብ ዛንዚባር እትጉዓዝ ዝነበረት መርከብ ህንዲ ናብ ሃገራ ክትምለስ ብምስግዳድ ካብ ማያዊ ክሊ ኣፍሪቃ ክትወጽእ ኣዞዞም።

እታ መርከብ ዝተበከለ ጉሓፍ ጽዒና ከምዝነበረትን ብኬንያ ኣቢላ ናብ ዛንዚባር ኣብ እተምርሓሉ ዝነበረት እዋን ብሰብ መዚ ኬንያ ከምዝተታሕዘትን ተፈሊጡ።

ዝተፈላላያ ሃገራት ዝተበከለ ጉሓፍ ናብ ኣፍሪቃ ኣምጺአን ክጉሕፋ ጸኒሐን፡ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ብኽፍሊት ጉሓፍ ክቕበላ እንከለዋ ገለ ድማ ብስምምዕ ነቲ ተግባር ክፍጽመኦ ጸኒሐን።

ዝተበከለ ጉሓፍ፥ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ኤሌክትሮኒካዊ ኣቕሑት፡ ከሚካላት፡ ወይ’ውን ብስም ካል ኣይኢድ ‘ሰከንድሃንድ’ ሰብ ክጥቀመሉ ይኽእል እዩ ብዝብል ክዳውንቲ ይኹን ካልእ ኣቕሑት ከጠቓልል ይኽእል።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት ካብ 1991 ንድሓር ዝኾነ ጉሓፍ ናብ ኣፍሪቃ ከይመጽእ ኣጊዱ’ኳ እንተነበረ ሓያሎ ሃገራት ግን ከተግብረኦ ኣይጸንሓን።

ብፍላይ ኤሌክትሮኒካውን ከሚካላውን ጉሓፍ ኣብ ልዕሊ ጥዕና ሰባትን ብከላ ኣከባብን ከቢድ ሓደጋ ከስዕብ ይኽእል።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0