‘ካብ ግብጺ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ምስ ዝውሰድ፣ ኣብዚ ዞባ ከቢድ ዘይምርግጋእ ክፍጠር’ዩ።’ ፕረዚደንት ግብጺ

Radio Erena: 31 March 2021

ካብ ግብጺ፣ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ምስ ዝውሰድ፣ ኣብዚ ዞባ ከቢድ ዘይምርግጋእ ክፍጠር ምዃኑ ፕረዚደንት ግብጺ፣ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ኣጠንቂቑ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ብምኽንያት ሓንቲ ዓባይ መርከብ ተዓጽዩ ዝጸንሐ መትረብ ስዊጽ ድሕሪ ምኽፋቱ፣ ብ30 መጋቢት ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ ነዚ ገሊጹ።

‘ካብ ግብጺ ሓንቲ ነጥቢ ማይ ዝወስድ የለን፣ እዚ እንተጋጢሙ ግና ኣብዚ ዞባ ከቢድ ዘይምርግጋእ ክኽሰት’ዩ።’ ክብል ዘጠንቐቕ ድማ ኣብ ጉዳይ እቲ ምስ ኢትዮጵያ ኣሰሓሒቡ ዘሎ ኣጠቓቕማ ናይልን ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ ብዝምልከት’ዩ።

ግብጺን ሱዳንን፣ ኣብቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘሰሓሕበን ዘሎ ነጥብታት፣ ራብዓይ ኣካል ክኣቱ ክሓታ እንከለዋ፣ ኢትዮጵያ ግና ምትእትታው ካልእ ኣካል ብምንጻግ፣ ስሉሳዊ ዘተ ክቕጽል’ያ ትጠልብ።

ሱዳን፣ ብዘቕረበቶ እማመ መሰረት፣ ኣመሪካ፣ ሕብረት ኤውሮጳ፣ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኣፍሪቃን ኣብቲ ጉዳይ ከም መንጎኛታት ክሳተፉ’ያ ጠሊባ።

ግብጺ ድማ ንናይ ሱዳን ጠለብ ብምድጋፍ፣ ራብዓይ ኣካል ከም መንጎኛ ክሳተፍ ተቐቢላቶ።

ኢትዮጵያ፣ ነቲ እትሃንጾ ዘላ ዲጋ፣ ብዘይ ናይ ቅድመ ኩነት ስምምዕ፣ ካልኣይ ገጽ ማይ ምምላእ ክትጅምር ምዃና’ያ ትገልጽ።

ግብጺን ሱዳንን ድማ፣ ኢትዮጵያ፣ ብዘይ ስምምዕ ነቲ ስጉምቲ እንተወሲዳ፣ ከቢድ ግብረ መልሲ ክህባሉ ምዃነን የጠንቅቓ።

=============

COMMENTS

WORDPRESS: 0