ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክለኣኽ ዝጸንሐ ክታበት ጸረ ኮቪድ19፣ ደው ኢሉ

Radio Erena: 05 September 2021

ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክለኣኽ ዝጸንሐ ክታበት ጸረ ኮቪድ19፣ ደው ከምዝበለ ተገሊጹ።
ኣብ ሕብረት ኣፍሪቃ ክፍሊ ምክልኻል ተላባዒ ሕማማት ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፣ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፖዛ፣ ፕረዚደንት ኤውሮጳዊ ኮሚሽን ኡርሰላ ቮን ደር ለይን ከምኡ’ውን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑወል ማክሮን ድሕሪ ዝተኻየደ ስምምዕ፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ፈርዩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክለኣኽ ዝጸንሐ ክታበት ደው ክብል ከምዝተወሰነ ኣፍሊጡ።
ሓላፊ’ቲ ጨንፈር ስትሪቭ ማሲዪዋ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣጋጢሙወን ዘሎ ዋሕዲ ክታበት ጸረ ኮቪድ ንምቕራፍ፣ እቲ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክለኣኽ ዝጸንሐ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዕደል ምዃኑ ኣመልኪቱ።
እቲ ብሽርክነት ኣስፐን ዝተባህለ ደቡብ ኣፍሪቃዊ ትካል ዝፈርይ ጆንሰን ‘ን ጆንሰን ክታበት ጸረ ኮቪድ፣ ኣብ ኣፍሪቃ ፈርዩ ናብ ሃገራት ኤውሮጳ ክለኣኽ ምጽንሑ፣ ኣብ ሓያሎ ተጣበቕቲ መሰላትን ሰብ ሞያ ሕክምናን ቁጠዐ ፈጢሩ ጸኒሑ’ዩ።
ካብ ጆንሰን ‘ን ጆንሰን ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ድሮ 400 ሚልዮን ክታበት ከምዝገዝአ ዝገልጽ ማእከል ምቁጽጻር ተላባዒ ሕማማት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ወርሒ’ዚ ናብ ሃገራት ኣፍሪቃ ክዝርጋሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።
ከምዝፍለጥ ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራ ንክታበት ጸረ ኮቪድ19 ዝተሓሰመት እንኮ ሃገር እያ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0