ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣኻኸቡ ወከልቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ( ኦብነግ) ኣብ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዶም

ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣኻኸቡ ወከልቲ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ( ኦብነግ) ኣብ ኤርትራ ኣኼባ ኣካይዶም

Radio Erena: 03 July 2018

ogadenካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተኣኻኸቡ ወከልትን ኣባላትን ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን (ኦብነግ) ኣብ ኤርትራ ኣኼባ ከምዘካየዱ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ኣረጋጊጾም።

ኣብቲ ልዕሊ 200 ወከልቲ እቲ ግንባር ዝተሳተፍዎ፣ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ኣኼባ፣ ብዛዕባ’ቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ወሲድዎ ዘሎ ናይ ሰላምን ዕርቅን ተበግሶ ንምዝታይን መርገጺ እቲ ግንባር ኣብቲ ውሳኔ ንምርግጋጽን ዝዓለመ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ሓቢሮም።

ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን ነዚ ኣኼባ ኣብ ኤርትራ ዘካይድ ዘሎ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ነቲ ዝሓለፈ ዓመት ካብ መንግስቲ ሶማል ዝተረከቦ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊቱ ዓብደልከሪም ሸኽ ሙሰ ብምሕረት ኣብ ዝፈትሓሉ ዘሎ ኣጋጣሚ’ዩ።

ካብ 1984 ኣትሒዙ ካብ ኢትዮጵያ ንምንጻል ብረታዊ ቃልሲ ኣልዒሉ ዝርከብ ሃገራዊ ግንባር ሓርነት ኦጋዴን፣ ነቲ ብኢትዮጵያ ተወሲዱ ዘሎ ናይ ሰላምን ዕርቅን ተበግሶ እኳ እንተደገፈ፣ ንናጽነት ኦጋዴን ዘለዎ ቃልሲ ከምዘየቛርጽ’ዩ ዝእንፍት።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብቲ ክልል ዘካይዶ ዘሎ ናይ ነዳዲ ዳህሳስን ኩዕታን ኣብዚ ቀረባ እዋን ፍርያት ክርእየሉ ከምዝኾነ ኣብ ዝገልጸሉ ዘሎ እዋን፣ ወከልቲን ኣባላትን እቲ ግንባር፣ እቲ ባህርያዊ ጸጋ ንኢትዮጵያ ዘይኮነ ንህዝቢ ሶማል ኦጋዴን’ዩ ከርብሕ ዘለዎ ክብሉ’ዩም ብመንገዲ ማሕበራዊ ሜድያታቶም ዝገልጹ።

ኦብነግ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ወከልቲ ዘለዎ ኮይኑ፣ ብረታዊ ዶ ወይስ ፖለቲካዊ ቃልሲ ጥራይ ይቐጽል ብዝብል ብውሕዱ ኣብ ክልተ ተገሚዑ ጸኒሑ’ዩ።

===================== 

COMMENTS

WORDPRESS: 0